Thursday , April 25 2024

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ናብ ሰማይ ጠምት ።


ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ተንሲኡ ንወዱ “ተመልሶ ወደይ፡ ተንስእ፡ ናብዛ ቐረባ ዓዲ በጺሕና ክንምለስ ኢና”
በሎ። ተመልሶ ድማ ባዕጊጉ፡ “ኣቦ፡ ከውታ ለይቲ ደኣ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ቀረባ ዓዲ እንኸይድ” በሎ። ግን ከኣ
ንኣቦኡ ስለ ዘኽብሮ ተንሲኡ ክዳኑ ወድዩ ምስ ኣቦኡ ንደገ ወጸ። ኣቦኡ ኣድጉ ኣኸቲሉ ወዱ ድማ ብጐድኑ ዘብዘብ
እናበሉ መገዶም ቀጸሉ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለ ዝነበረት ኩሉ ብንጹር ይረኣዮም ነበረ።
ኣብቲ ማዕዶ ዓዲ ኣብ ክብ ዝበለ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቲ ኣቦ፡ ንጸጋም ንየማን ንታሕቲ ጠመተ።
ሽዑ እቲ ቘልዓ፡ ኣቦኡ ኪሰርቕ ከም ዝመጸ ኣስተብሃለሞ፥
“ኣቦ፡ ናብ ኩሉ ወገን ጠሚትካ፡ ግን ሓንቲ ቦታ ኣላ ገና ዘይጠመትካያ” በሎ።
እቲ ኣቦ ድማ ብምግራም “ኣየነይቲ ቦታ?” ኪብል ሓተቶ።
እቲ ቘልዓ ድማ “ናብ ሰማይ ገጽካ ኣይጠመትካን” በሎ።
ሽዑ እቲ ኣቦኡ ብዙሕ ሓዘነ። ኪሰርቕ ከሎ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ይርእዮ ከም ዘሎ ኪርድኦ ጀመረ። ኣድጉን
ወዱን ሒዙ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ።
ካብ ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ጽውጽዋይ እተራዕመ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com