Tuesday , April 16 2024

ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ኣማኑኤል ሳህለ

ገለ ሰብ ኣሎ ብዶክቶረይት ዲግሪ ተመሪቑ፡ ፕሮፈሰር ዚብል መዓርግ ለቢሱ ከብቅዕ፡ ክዛረብ ክትስምዖ ከሎኻ፡ እምበርዶ ተማሂሩ እዩ ትብል። ኣቦታትናኮ ካብ ምህሮ ኣእምሮ ኢሎምዎ እዮም።

ከምቲ ሓደ ኣብ 1920ታት ኣብ ሃገር ጣልያን ኪምሃር ምስ ተላእከ፡ ትምህርቱ’ውን ምስ ወደአ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ንኣቦኡ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ዝበሎ እዩ፥ “ኣቦ! እዛ ወርሒ ሚላኖስ ልክዕ ነታ ወርሒ ዓድና እያ እትመስል……”። ክልቲአተን ቆሎ ኢየን ዚመስላ ማለቱ እዩ።

ወይ ድማ ከምቲ ተመሃሮ ከሎና ኣብ ሓደ ናይ ቁጽሪ ፈተና፡ ”እታ ነፋሪት ኣብ ሰዓት ክንደይ ኪሎመተር ትኸይድ ነይራ? ንዚብል ሕቶ ክንፈትሕ ምስ ተነግረና ዘጋጠመ እዩ። ፈተና ወዲእና ናብ ገዛውትና ክንከይድ ከሎና፡ ሓደ ኩሉ ግዜ ቀዳማይ ዚወጽእ ዝነበረ ተምሃራይ፡ እቲ መልሲ 20 ኪሎመተር ኣብ ሰዓት ከም ዝኾነ ሓቢሩና። ነፋሪት 20 ኪሎመተር ኣብ ሰዓት እንተ በሪራ ደኣ ክትወድቕ ማለት እዩኮ፡ እንተ በልናዮ፡ ከምኡ እዩ መልሱ ኢሉና። ዋእ! ይትረፍዶ ነፋሪትስ ናይ ቀብሪ ማኪናኳ ካብኡ ትቕልጥፍ ኢልና ብልብና። ስሩዕ ትምህርቲ ነቲ ኣእምሮኡ ከይሓስብ ከም መጋረጃ ኮይኑ ጋሪዱዎ ነይሩ ማለት እዩ።

ምስትውዓል (intelligence) ኪብሃል ከሎ ፍልጠት ምእካብ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ብሓደ ዓይነት ትምህርቲ ብሉጽ ምዃን ማለት ድማ ብኹሉ ብሉጽ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ምሁር ማለት፡ ኣእምሮኡ ከገናዝብን ኪመዝንን ኪትንትንን ዚኽእል ደኣምበር፡ ፍልጠት ተቐቢሉ ዘመሓላልፍ ጥራይ ማለት ኣይኮነን።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ምስትውዓል ማለት፡ ናይ ኣገናዝባ ዓቕሚ ብምጥቃም ንጸገማት ወይ ንእተሓላለኸ ኩነታት ወይ ጽንኩር ወጥሪታት መፍትሒ ወይ መልሲ ክትረኽበሎም ዘኽእለካ ናይ ኣእምሮ ውጽኢት እዩ።

ሓድሓደ ምሁራት፡ ክልተ ናብ ምስትውዓል ዚወስድ መገዲ ከም ዘሎ ይሕብሩ፥

1. ናይ ውሽጢ ሓሳባት ወይ እተኣከበ ፍልጠት ወይ ኣብ ቤትትምህርቲ ዝደለብካዮ ፍልጠት ነንሕድሕዱ ብምውህሃድ ወይ ብምግንዝዛብ ዚፍጠር ምስትውዓል።

2. ነቲ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን (ካብ ቤትትምህርቲ ወጻኢ ዚኽዕበት) ተመክሮን ኣስተህሎን ብስነመጎታውን ትንተናውን መገዲ ኣገናዚብካ ዚፍጠር ምስትውዓል።

ኣብ ቁጽሪ 1 ዚስራዕ ሰብ፡ በቲ እተማህሮ ኣዚዩ ፈላጥን ንፍልጠቱ ከረድእ ዚኽእልን፡ ውጽኢታዊ ስራሕ ዚሰርሕን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግን ካብቲ እተማህሮን ምስቲ እተማህሮ እተዛመደ ውሑድ ተመክሮን ወጻኢ፡ ነቲ እተማህሮ ምስ ካልእ ዘይተማህሮ ነገራት ኣገናዚቡ ኪሓስብን ኪትንትንን ስለ ዘይክእል፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ምስቲ ትምህርቱ ዘይከይድ ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን እምነትን ሒዙ ኪጎዓዝ ይረአ።

ኣብ ቍጽሪ 2 ዚስራዕ ሰብ፡ ዕላማኡ ሓቂ ንምርካብ ስለ ዝኾነ ካብቲ ልሙድ ናይ ከባቢኡ ኣተሓሳስባ ኪወጽእ ኣይጽገምን፣ ከምዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ ስሩዕ ትምህርቱ ዝደለቦን፡ ካብ ደገ ብተመክሮን ብምስትብሃልን ዝኣከቦን ፍልጠትን ሓበሬታን ብምግንዝዛብን ብምትእስሳርን፡ ስነመጎታውን ትንተናውን ሳየንሳውን መገዲ ብምኽታልን፡ ካብ ምስትውዓል ሓሊፉ፡ ፈጠራነት እውን የማዕብል እዩ።

እቲ ውሩይ ሳየንሰኛ ኣልበርት ኣይንሽታይን፡ ካብ ምስትውዓል ንላዕሊ ናይ ኣእምሮ ተምሳላዊ ፈጠራነት (imagination) ከም ዚበልጽ ይነግረና። እዚ ድማ ኣብቲ ቍ.2 እምበር፡ ኣብቲ ቍ.1 ኪርከብ ኣይክእልን።

ኣብዚ ሓደ ነገር ኣሎ ክንርድኦ ዘሎና። ሓንጎል ሰብ፡ ብዙሕ ክፋላት ስለ ዘለዎ፡ ከም ኣርማድዮ ድላይካ ከተቐምጠሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ተመዛዚ፡ ብሳየንሳዊ ትንተና እተረኽበ ሓቂ ተቐምጥ። ኣብቲ ካልእ ተመዛዚ፡ ኣብ ማሪትን እምነትን እተሰረተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ትዕቅብ። ኣብቲ ሳልሳይ ተመዛዚ፡ ኣብ ዓለም ዘየለ ኣረኣእያ ትድርድር። ሽዑ ከከም ዘድልየካ፡ ከከም ኩነታቱ፡ ካብዝን ካብትን እናኣልዓልካ ንዓለም ብግጉይ መገዲ ክትመዝናን ክትትርጉማን ክትፍትፍታን ክትፈታፍታን (ሓድሓደ ግዜ ድማ ንሰብ ላሕ ከተብልን) ትነብር።

ክልተ ተቓራኒ ሓሳባት ኣብ ሓደ ሓንጎል ምቕማጥ ጸገም የብሉን። ሓንጎል ሰብ ከም ሓደ ስካሪኮ፡ ኩሉ እዩ ዚእክብ። ግን ከኣ ከም ዕድል፡ መጸጸዪን መጻረዪን መፈተግን ኣለዎ። ይኹንምበር፡ ዝበዝሕ ሰብ ነቲ መጻረዪ ወይ ነቲ መንፈዪ ዳርጋ ኣይጥቀመሉን እዩ። ከይመመኻ ምዝራብ ብዙሕ ድኻም ስለ ዘይብሉ፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ሰብ ነዚ ኣቋራጭ መገድ’ዚ እዩ ዚኽተል።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብቲ ምሁር ዚብሃል ሰብ፡ ዘደንጹን ክትኣምኖ ዘይትኽእልን ዘረባ ትሰምዕ። ምሁር እዩ ስለ ዚብሃል ከይፈተኻ ስቕ ኢልካ ክትሰምዖ ትግደድ። ዝበዝሕ ግዜ ግን፡ ካብቲ ሰብ’ቲ ንላዕሊ፡ እቶም ዚስዕቡዎን ዘምልኹዎን ዚኽተሉዎን እዮም ዚገርሙኻ!

ምስትውዓል ወይ ኢንተሊጀንስ ግን፡ ኣብ ትምህርትን ትምህርታዊ ፍልጠትን ዘተኮረ ጥራይ ከም ዘይኮነ ሊቃውንቲ ይሕብሩ እዮም። ብዙሓት ዓይነታት ምስትውዓል ኣለዉ፥

1. ስምዒታዊ ምስትውዓል (emotional intelligence) ንኣብ. ንኹሉ ክኢሉ ዚኸይድ ሰብ፡ ረዚን ሰብ

2. ኣንፈታውን ቦታውን ምስትውዓል (spatial intelligence) ንኣብ. ሰብ ታክሲ፡ ዳህሰስቲ ከምኡውን ተጻወትቲ ኵዕሶ

3. ሙዚቃዊ ምስትውዓል (musical intelligence) ንኣብ. ዓበይቲ ደረስቲ ሙዚቃን ደረፍትን

4. ማሕበራዊ ምስትውዓል (social intelligence) ንኣብ. ለባማትን ውርዙያትን ምቕሉላትን መራሕትን

5. ልሳናዊ ወይ ቋንቋዊ ምስትውዓል (linguistic intelligence) ንኣብ. ተርጎምትን ትርጁማንን መራሕቲ ቱሪስትን

6. መለኮታዊ ምስትውዓል (spiritual intelligence ) ወዘተ. ንኣብ. ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት መስረትቲ

እምበኣር፡ በቲ ስምዒታዊ ምስትውዓል (emotional intelligence) ክንጅምር።

ስምዒታዊ ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ፡ ወላ’ውን ምሁር ይኹን፡ ከም ቆልዓ እዩ ብዝኾነን ብዘይኮነን ዚዅርን ዝበኣስን ዝቐንእን ዝከራኸርን። ወዲ 70 ዓመት ኮይኑ፡ ናይ ወዲ 4 ዓመት ስምዒታትን ድራኸታትን ባህግን ድሌትን ትጽቢትን ኣለዎ። ኩራኡ ኣብ ኣፍንጫኡ እዩ። ዓሻ ኪጸልእ ከመዓልካ ይኸልእ ዚብል ምስላ ልክዕ እዩ ዚገልጾ።

ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ምስ እንርኢ ድማ፡ ሓደ ምሁር፡ ኣነ እየ ነዚ ነገር’ዚ ኣቐዲመ ረኺበዮ፡ ካባይ ኢኹም ቀዲሕኩምዎ ብምባል በትሪ ዘወጣውጥ እንተ ኾይኑ፡ ወላ’ውን ዓበይቲ ነገራት ይምሃዝ ወይ ዓበይቲ ተዮሪታት የቕርብ፡ እቲ ናይ ስምዒት ምስትውዓሉ ግን ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ፡ ኣብቲ ናይ ቆልዑ ወይ ዕሸላት ደረጃ እዩ ዚስራዕ።

ንሓደ ምሁር ሰብ ከምዚ ዚገብሮ፡ ስምዒታት ናይ ምጥቃምን ምውጋንን ምምማይን ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ስለ ዘይብሉ እዩ።

ከምዚ ብምዃኑ ድማ ምሉእ ህይወቱ ምስ መሳርሕቱን ምስ ተሓጋገዝቱን ምስቶም ኣብ ሓቂ ብምምርኳስ ክእርምዎ ዚፍትኑ ናይ ትምህርቲ መሓዙትን ኪበኣስን ኪታረኽን ክተሃላለኽን፡ ወይ ከኣ ኩሉ ምስ ዚኣብዮ ምሽክንክን ኪብልን የሕልፎ።

ኣብቲ ዚቕጽል ጽሑፋተይ፡ ነቶም ዝተረፉ ዓይነታት ኢንተሊጀንስ በብሓደ ክገልጾም ክፍትን እየ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com