Thursday , April 25 2024

ዕላመት (brand) ትካል H&M፡ ዓሌታዊ ስም ብምጥቃሙ ተሪር ነቐፌታ ይወርዶ

ዕላመት ኩባንያ H&M ን አንድ ኣዘር ስቶሪስ (& Other stories) ዘወዓውዕ ካታሎግ፡ ኣብ ሓደ ካብ ፍርያት’ቲ ትካል ዝኾነ ቆብዕ፡ ዓሌታዊ መግለጺ ብምጥቃም፡ ካብ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ተሪር ነቐፌታ ከምዝወረዶ ዝተፈላለያ መዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቲ ዓሌታዊ መግለጺ ዘለዎ ስም፡ ብኸመይ ኣገባብ ኣብቲ ካታሎግ ከምዝተጠቕሰ እቲ ካምፓኒ ኣይሓበረን። ትካል H&M ብዛዕባ እዚ መግለጺ ክዛረብ እንከሎ፡ መሰረት ናይቲ መግሊጺ ካብቲ መደበሩ ኣብ ፓሪስ ዝኾነ ትካል & Other stories ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ፡ ንኣባላቱ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ኣብቲ ናብ CNN ዝሰደዶ ደብዳቤ ገሊጹ። ትካል & Other stories ብወገኑ፡ እቲ ዓሌታዊ ጽሑፍ ቅቡል ከምዘይኮነን እንተኾነ ግን ናብ ዓማዊልና ክበጽሕ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ከምዘይኮን ንማዕከን ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትካል H & M’s ዝኾነት ሄሌና ሄልመርሰን ንCNN ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቶም በዚ ጉዳይ ተሓተቲ ዝኾኑ ሰባት ድሕሪ እቲ መርመራ፡ ካብ ስራሕ ከም ተባረሩ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com