Friday , April 19 2024
Claudio Bresciani/TT

ዘይድህሰስ ሃብቲ ብበሪሁሉ ብኣማን

“ኣብዚ ዓለም፣ እቶም ዝበለጹን ዝጸበቑን ነገራት ብዓይንኻ ኣይረኣዩን፣ ብኢድካ’ዉን ኣይድህሰሱን፡ ኣብ ዉሽጥኻ ክስምዑኻ እዩ ዘለዎም” ሄለን ኬለር ገንዘብ፣ ዓስቢ ኩሉ ዓይነት ዕዮ ወይ ኣበርክቶ ክኸዉን ኣይክእልን። ሓያሎ ወለዲ ንደቆም፣ ዓስቢ ክበሃል እንከሎ በቲ ዝጭበጥ ክፋሉ ዘይኮነ በቲ ረቂቕ ክፋሉ ክምዘን ከም ዘለዎ ከይመሃሩ እዮም ዘዕብይዎም።


ብዙሓት ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ዝዉንኑ ክነሶም መንፈሳዊ ድኽነት ወሪስዎም ትረኽቦም። ዕላማ ህይወትና ገንዘብ ክህልወና ጥራይ ዘይኮነ መንፈሳዊ ሃብቲ’ዉን ንምዉናን ዝዓለመ ክኸዉን ኣለዎ።
ንኹሉ ነገር ምስ ገንዘብ ኣመዓራርዩ ዝጥምት ሰብ ኩሉ ነገር ዝግዛእን ዝሽየጥን እዩ ዝመስሎ። ክሳብ ነታ ክብርቲ ነብሱ’ዩ ብገንዘብ ዝትምና። ገንዘብን ንሱ ዝገዝኦም ነገራትን ምዉናን ሕማቕ ኣይኮነን።

ኣብ መስርሕ ምንዳይ ገንዘብ ግን ነቶም ገንዘብ ዘይገዝኦም ነገራት ክተጥፍኦም የብልካን።
ገንዘብ፣ ነቲ ብገንዘብ ዝግዛእ ነገር ጥራይ እዩ ዝገዝእ። ብርግጽ’ዉን እቶም ኣዝዮም ብሉጻት ነገራት እቶም ገንዘብ ክገዝኦም ዘይክእል ነገራት እዮም።


ገንዘብ፦ ሰሓቕን ምዝንጋዕን’ምበር ሓጎስ ኣይገዝእን፣ ዓራት’ምበር ድቃስ ኣይገዝእን፣ መጽሓፍ’ምበር ልቦና ኣይገዝእን፣ ሰዓት’ምበር ግዜ ኣይገዝእን፣ መኻይድቲ’ምበር ብጻይ ኣይገዝእን፣ ስብቅልነት’ምበር ጽባቐ ኣይገዝእን፣ መግቢ’ምበር ሸዉሃት ኣይገዝእን፣ ገዛ’ምበር ፍቅሪ ዘማእከሎ ቤት ኣይገዝእን፣ መድሃኒት’ምበር ጥዕና ኣይገዝእን፣ ቀለቤት’ምበር ሓቀኛ ኪዳን ኣይገዝእን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com