Tuesday , April 23 2024

ዜና ስፖርት

ትማሊ ሰንበት፡ ብዙሕ ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ጸወታ እንተነይሩ ቶተንሃም ምስ ማንተስተር ዩናይትድ እዩ ኔሩ። ጆሴ ሞሪኖ ምስ ናይ ቀደም ዘሰልጠና ዝነበረ ክለብ ክጻወት ምኳኑን ምስ ሶልሻየር ዘለዎ ምትፍናን ሓዊስካ ተሃራፊ ጸወታ ካብ ዝገበሮ ኔሩ። ይኹን እምበር 6 ብ 1 ክውዳእ ከኣ እሞ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ። ኩዕሶ ከባብ ምዃና ግዲ ኮይኑ ግን፡ ቶተንሃም ታሪኻዊ ዓወት ከተመዝግብ ማንቸስተር ዩናይትድ ታሪኻዊ ውርደት ብሞሪኖ ክገጥማን ኣፍቐርቲ ኩዕሶ እግሪ ቐዘዝ ኢሎም ዝተዓዘብዎ ፍጻሜን እዩ ኔሩ። ንደገፍቲ ዩናይትድ’ሞ ድቓስ ዝኸልእ ፍጻሜ እዩ ኔሩ ። ማርሻል ብቀይሕ ካርድ ምውጽኡ ካብ ዘጋጠመ ፍጻሜ እኮ እንተነበረ፡ ንናይ 6 ብ 1 ስዕረት ግን ምኽኑይ ከምዘይገብሮን ኩሎም ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዝመስከርዎ ሓቂ እዩ ። እኳ ደኣ ብሉጽነት ተጻወትቲ ቶተንሃምን ብፍላይ ከኣ ውህደት ሃሪ ኬን ምስ ሶን ይረኣየካ። ደገፍቲ ዩናይትድ ምጻሩ ስኢኖሞ ዘለዉ፡ ውርደት ጋንትኦም ብከፊሉ ብ ሊቨርፑል ተጸናኒዖም እኮ እንተሓደሩ፡ ብዓቢኡ ግን ኣብዚ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ዝውድእ ዕድል ምስግጋር ናይ ተጻወቲ ተጠቒማ፡ ዓበይቲ ወጻኢታት ጌራ ምሉእ ምትዕርራይ ክትገብርን ንደገፍታ ክተደዓዕስን ትጽቢት ይግበር።

ቻምፕዮን ፕሪመርሊግ፡ ሊቨርፑል፡ ካብ ክትዕወት ንማንቸስተር ዩናይትድ ከተጸናንዕ ዝመጸት ክትመስል 7 ብ 2 ብ ኣስቶንቪላ ተዋሪዳ ወጽያ። ጉድለት ሓላዊ ልደት ሊቨርፑል፡ ኣድርያን፡ ኣዝዩ ግሁድ እኮ እንተነበረ 3 ካብተን ዝተመዝገባ ጎላት ንተኸላኸልቲ ጨሊፈን ዝኣተዋ ብምዃነን፡ ምክልኻል ክለብ ሊቨርፑል ብጣዕሚ ኣኽፊኡ ምንባሩ ሕቶ ዘየድልዮ መልሲ  እዩ።  ሸሞንተ ሸቶታት ስለዘይተመዝገባ ጥራይ፡ ዕድል ከምዝገበረት ክቑጸረላ ዝክእል ሊቨርፑል፡ ብኣስቶንቪላ ዝበጽሓ ውርደት ዝተዓዘባ ክለባት ፕሪመር ሊግ፡ ሊቨርፑል እትፍራሕ ክለብ ከምዘይኮነት ዘረጋገጻሉ ፍጻሜ እዩ ክበሃል ይክኣል። ንሊቨርፑል፡ እዚ ፍጻሜ’ዚ ድሕሪ 1963 ናይ ፈለማ ተርእዮ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ጸወታ’ዚ፡ ተጻወቲ ክለብ ኣስቶንቪላ፡ ዘርኣይዎ ብቕዓት ኣዝዩ ብሉጽ ምንባሩ ግልጺ እዩ። ካብ ኣርሰናል ዘፈረመቶ ሓላዊ ልደት ማርቲነዝን ካብ ቸልሲ ተዓዲጉ ፈላሚ ጽወተኡ ዘካየደ ሮዝ በርክለይ ሓንቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡን ምስ ግረሊሽ ዘርኣዮ ውህደትን፡ ብክብረ ወስን ዘፈረመቶ ዋትኪንስ ሃትሪክ ምስርሑን ደሚርካ፡ ዕንወት ሊበርፑልን ድምቐት ኣስቶንቪላን ትዕዘብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com