Thursday , April 18 2024

ዝተወሰኑ ተጻወቲ ኣርሰናል ብኮሮና ቫይረስ ተጠርጢሮም ንብሕቶም ይውሸቡ።

ብሰንኪ ወናኒ ክለብ ኦሎምፕያኮስ ዝኾነ ግሪካዊው ኤቫንጀሎስ ማሪናኪስ ብቫይረስ ኮረና ምትሓዙ ንሎሚ ምሸት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ጸወታ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናል ከምዝተሰረዘ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ገለ ተጻወትን ኣካየድትን ክለብ ኣርሰናል  ምስ ወናኒ ክለብ ኦሎምፕያኮስ ኤቫንጀሎስ ማሪናኪስ ርክብ ገይሮም ብምንባሮም በዚ ቫይረስት ተለኺፎም ከይኮኑን ብዝብል ጥራጣረ በይኖም ስጋብ ዝመጽእ ዓርቢ ክውሸቡ ተነጊሪዎም።

በዚ መስረት ኣርሰናል ዝመጽእ ቀዳም ምስ ብራይተን ንዝህልዋ ጸወታ ግን በቲ ተታሒዙ ዘሎ ዕለት ከምዝካየድ ኣካየድቲ ፕሪመርሊግ ኢንግሊዝ ይሕብሩ.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com