Friday , April 26 2024

ዞባ ስኮነ . . . ንኣባላት ፖሊስን ህጹጽ ሬዲኤትን መርመራ ኮሮና ከተካይድ እያ

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ማልሞን ሄልሲንቦሪን ዝግበር መስርሕ መርመራ ኮሮና ክዛይድ ምዃኑ ሓላፊ ኮሚቴ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኦልፍ ዮንሰን፡ ከምዝሓበረ TT ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን መርመራ ኮሮና ንምክያድ ካብቶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ኣባላት ቅምሶታት (Sample) ወሲዱ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ቀጺሉ ድማ ካብ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤትን ፖሊስን ቅምሶታት ክወስድ ምዃኑ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት፡ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻርን ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንኸይበጽሕን እዩ። ኩነታት ናይቶም ኣብ ስኮና ዝርከቡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ካብቶም ኣብ ስቶክሆልምን ሶርምላንድን ዝርከቡ ዝተፈልየ ምዃኑ ዮንሰን ሓቢሩ።

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ብሕማም ኮቪድ-19 ክሳብ 1851 ተለኺፎም ከምዘለዉን ክሳብ 206 ሰባት ድማ ሞይቶም። ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ዘለዉ 83 ሰባት ክኾኑ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 16 ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ብሃገር ደረጃ ክረአ እንከሎ፡ ምምሕዳር ስኮነ ካብተን ዝወሓዳ መጠን ለበዳን ሞትን ዘጋጠመን ምምሕዳራት ምዃና ሓላፊት ኣሃዱ ጸረ ለበዳ ዝኾነት ኢቫ ሚላንደር ትገልጽ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com