Thursday , March 28 2024

ድሕሪ እዚ ከቢድ ዝናብ ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ኣገልግሎት መትሮሎጂ ሽወደን ይሕብር!!

ድሕሪ እዚ ከቢድ ዝናብ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢ ሽወደን ሲጋብ 25 ዲግሪ ሰንትግረድ ዝበጽሕ ሙቐት ከምዝህሉ ኣገልግሎት መትሮሎጂ ሽወደን ይሕብር።

ኣብዚ ዘሎ ናይ ክረምቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ቁልጡፍ ዝቀያየር ኩነታት ኣየር ዘሎ ኮይኑ ብመስረት ኣገልግሎት ሓቤረታ መትሮሎጂ ሽወደን ከቢድ ዝናብ ኣብ ሰኑይ ሰሉስን ክህሉ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ድማ ሙቐት ክከውን ይጽበ።

መጠን ሙቐት ኣብ ዝበዝሔ ክፋል ሽወደን ካብ 20 ሲጋብ 25 ዲግሪ ሰንቲግረድ ክህሉ ኣገልግሎት ሓቤረታ መትሮሎጂ ሽወደን ወሲኺ ይህሕር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ዝናብ ናይ ምህላው ተኽእሎ ከምዘሎ ኪኢላ እዚ ዓውዲ ፒየር ኤሪክ ን ኣገልግሎት ተለቪዥን ሽወደን SV1  ኣብ ዝሃቦ ሓቤርታ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com