Thursday , April 25 2024

ድኹም ጎኒ ናይ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ ተባሂሉ።

ቫይረስ ኮሮና ብቐሊሉ ዝጥቅዓሉ ኣገባብ ንምንዳይ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕታት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተሓስቦ ንታሕቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝገብሮ ባእታ ከም እተረኽቦ ኣብቲ ዳህሳስ እተዋፈሩ ኣመሪካውያን ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ኣብ ዝተገበረ መጽናዕታት፡ ንባህርያት ናይቲ ቫይረስ ንምርዳእ ዘኽእል፡ ብዙሕ ሓበሬታ ከም እተኣከበ ዘመልክተ እቲ ዳህሳስ ነቲ ቫይረስ ንምጥቃዕ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ክቐርብዎ ምጽንሖም ኣመልኪቶም።

ሓደ ካብዚ ዳህሳሳት፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ዋህዮታት ብኸመይ ከም ዝራባሕ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ፡ ፈውሲ ናይዚ ቫይረስ ንምርካብ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ “ጀርመን ፎካስ ሳይት”፡ እቲ ቫይረስ ንሓደ ዋህዮ ምስ በከሎ ነቲ ቫይረስ ጼሮም ናብ ሼል ናይ ካልእ ዋህዮታት በሲዖም ከም ዝኣትዉ እዩ ዝገብር። ድሕሪ’ዚ ኪናስ ዝተባህለ ኤንዛይም ከም ዝነዝዕ ብምግባር ነቲ ቫይረስ ብቀሊሉ ካብ ሓደ ዋህዮ ናብ ካልእ ዋህዮ ከም ዝሳገር ይገብሮ። በዚ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ዋህዮታት ንሰብነት ወዲ ሰብ ከም ዝልብድ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሴል ዝተባህለ፡ ንውጽኢት ናይ መጽናዕቲ፡ ዝሓተመ ናይ ሳይነስ ጆርናል፡ ናይ መንሽሮ መድሃኒት፡ ነዚ ኣገባብ መፍረ ናይ ኮሮና ቫይረስ ብምጉንዳብን ሓይሉ ከም ዝንኪ ብምግባርን ኣንጻሩ ክቃለስ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣብ ዕዳጋ፡ 87 ዓይነታት መድሃኒት ካንሰር ኣለው። 7 ካብዞም መድሃኒታት ድማ ብፍላይ ከም መድሃኒት ካንሰርን ረኽስን እዩ። እዞም መድሃኒታት ብተመራመርቲ ተፈቲኖም፡ ኣብ ናይ ህበይ ኩሊት ዝፍጠር ምስፍሕፋሕ ናይ ኮሮና ቫይረስ ከምዝዓገቱ ዝተረኽቡ ውጽኢት ምምዝጋቦም ጸብጻባት ሮይተርስ ሓቢሮም። ኣብ ትካል ፓስቸር፡ ፓሪስ፡ ዝሰርሕ ማርኮ ፊኑዚ፡ እዚ መድሃኒት ንመስርሕ ምርባሕ እዚ ቫይረስ ብምትእጒጓል ፍቱን ኣገባብ መከላኸሊ ኮይኑ ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት እኳ እንተ ተረኽበ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኒው ዮርክ ኣባል መጽናዕቲ ስነ-ህይወት ዝኾነት ካሮል ራይስ ግና መደምደምታ ኣብ ምሃብ ኣይንተሃወኽ እያ ትብል። እዞም ዕዉታት እዮም እተባህለሎም መጽናዕቲታት ኣብ ኩሊት ህበይ እምበር ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ወዲ ሰብ ኣይተፈተኑን። እዞም መድሃኒታት ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ኣብ ዘለዎም ሰባት ተፈቲኖም ኣዎንታዊ ውጽኢት ክሳብ ዝርከቦም ምጽባይ ከድሊ እዩ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com