Friday , March 29 2024
TVNZ/AP/TT

ጅግንነት ኣብ እዋን ሽበራ።

ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ክራስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ዝሰግዱ ዝነበሩ ምእመናን ነቲ ዕጡቕ ብድፍረት ብምግጣመ ክሬዲት ካርድ ክህበካ ካብዚ ውጻእ ከም ዝበሎውን ተገሊጹ።

ሓዲኦም ሽጉጥ ጥራይ እተዓጥቀ ክልተ ሰብመዚ ፖሊስ ክኣ ን ዕጡቕ Brenton Tarrant ጎይዮም ከም ዝሕዝዎ ተሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር ኣብ መኪናኡ ነተጒቲ ከም ዝነበሮን መጥቃዕቲ ከካይድ ይውጥን ምንባሩን ቀዳመይቲ ሚኒስተር Jacinda Ardern ገሊጻ’ላ። .

“ግብረሽበራዊ” እዩ ክትብል ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ንሰኑይ ሕጊ ምዕጥቕ እታ ሃገር ብዛዕባ ዝቕየረሉ መንገዲ ናብ ካቢንኣ እማመ ከተቕረብ እያ ተባሂሉ ተገሚቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com