Friday , March 29 2024

ጋዜጣዊ ጸብጻባት፡ ምርኽኻብ ናይ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክፍጸም እዩ ይብሉ

ኣባላት ናይ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ሆስፒታላት ለንደን (ዓዲ እንግሊዝ) ምዃና እትፍለጥ ሆስፒታል፡ እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ክርከቡ ምዃኖም ተሓቢሮም ከምዘለዉ ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ሳን (The Sun) ኣቃሊሑ ክብል SVT ሓቢሩ።

እዚ ጸረ ኮሮና ክታበት’ዚ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታላት ደቂሶም ኣብ ዝነበሩ ሕሙማት ተፈቲኑ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጸአ እዩ ክብል፡ ጸብጻብ ጋዜጣ ዘ ሳን፡ ስም እቲ ሆስፒታል ከይጠቐሰ ሓቢሩ። እዚ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓካይምን፡ ተሓጋገዝቲ ሓካይምን ካልኦት ሰራሕተኛታት’ቲ ሆስፒታልን ክወሃብ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንብምልኦም ኣባላት ሓለዋ ጥዕና’ታ ሃገር ዝኸውን፡ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ግን ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝቕጽል ዓመት ድልው ክኸውን ከምዝኽእል፡ ሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ማት ሃንኮክ፡ ተስፍኡ ገሊጹ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከይተወደአ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ብውሑድ ዓቐን እንተ ተረኺቡ ጽቡቕ እዩ ክብል፡ ሃንኮክ፡ ምንዮቱ ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com