Saturday , April 20 2024

ግዳያት ወልፊ ስራሕ (Workaholism) ብበሪሁሉ ብኣማን

ክንሰርሕ ዲና ንነብር ወይስ ክንነብር ኢና ንሰርሕ ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምላሽ ክንረኽበሉ ንተሓታተተሉ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሕብረተሰባት ናይ ገለ ከባቢታት ዓለም፣ ሰባት ንኽሰርሑ ከም ዝነብሩ ይኣምኑ። ኣብ ገለ ካልኦት ከኣ ንኽንነብር ኢና ንሰርሕ ይብሉ።

ወድ ሰብ ብባህሪኡ ክሰርሕን ክሃልኽን በሃላይ እዩ። ንብድሆታት ህይወት ብስራሕ ሰጊሩ ናይ ዓወት መንፈስ ክስመዖ ይደሊ። ሰሪሕካን ኣፍሪኻን ክብረትን ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ክትነብር ምሕላን ናይ ለባማት እዩ። ብስራሕ ንጎቦ ሽግር ናብ ሜዳ ክትቅይር እንከለኻ ይበል ዘብል እዩ። ጸላኢና ዓዲ ውዒል ይኹን!
ስራሕ ምንጪ ክብረትን ዓወትን ስለዝኾነ ፍትወት ስራሕ የኽብረካን የዐውተካን። ኣእምሮኻ ካብ ስራሕ ምስ ዝሽፍት ምስ ዓወት ከይተጓነፍካ ትነብር። ስለዚ ኣድላይነት ስራሕ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ሕጂ ዘዛርበና ዘሎ ግን ህርኩትና ዝመስል ወልፊ ስራሕ እዩ።
ብስራሕ ዓወት ክትዓትር እትኽእል፣ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ተጸሚድካ ህውቱት ጻዕሪ ምስ እተካይድ ዘይኮነ ብትግሃት ሰሪሕካ ክተድምዕ ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ።

ነቲ እትሰርሖ ስራሕ ብመንጽር ኣድማዕነቱ ክትመዝኖን ኣብ ልዕሊኡ ፍትወት ክተሕድርን ምስ እትጅምር፡ ጻዕርኻን ሃለኽለኽካን ብህርኩትና ክግለጽ ይከኣል። ብሕሉፍ ፍትወት ስራሕ ተደሪኽካ “ብዙሕ ምስራሕ ብዙሕ ምድማዕ እዩ” ብዝብል ፈሊጥ ትምራሕ እንተዄንካ ንኩለንትናኻ ተቖጻጺሩ ነቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ህይወትካን ህይወት ስድራቤትካን ናብ ዘረስዓካ ወልፊ ስራሕ እዩ ዝሸመካ።

ህርኩትና፡ ቅኑዕ ትርጉሙ፣ ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቒምካ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ናይ ግዜ መቓን ክተፍርዮ ዝግበኣካ ክተፍሪ ምኽኣል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣካላትካን ኣእምሮኻን ኣብ ስራሕ ጸሚድካ እንታይ ኣምጻእካ እዩ እቲ ቁም-ነገር።

ንምዃኑ ወልፊ ስራሕ እንታይ እዩ? በዓል ሞያ ሳይኮቴራፒ ዝዀነ ጄፍ ፋይንቶማስ፣ ወልፊ ስራሕ (Workaholism) ንዝብል ኣምር “ንኻልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሸነኻት ናይ ህይወት ግዲ ከይሃብካ ጭንቀት ዝተሓወሶ ሕሉፍ ኣድህቦ ኣብ ስራሕ ምግባር ማለት እዩ” ብምባል ይገልጾ።

መለለዪታት ወልፊ ስራሕ ዝኾኑ ባህርያት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ግዳይ ወልፊ ስራሕ ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ዝሰርሖ ስራሕ ምሕሳብ ኣየቋርጽን። ጉዳያት ስራሕ ዝምድናታት ንምግባር ዕድል ኣይህብዎን፣ ዋላ’ዉን ንድቃስ ኣብ ዓራት ተጋዲሙ እቲ ናይ ስራሕ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ብናህሪ ይመላለስ። ገለ ክፋሉ ንስራሕ ኣመና ይናፍቕ። ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ምዕላል፣ ምድቃስ፣ ዕግበት ኣይህቦን። ንነብሱ ከም ህርኩት ሰብ ገይሩ ክወስዳ እውን ይኽእል። ህርኩትናን ወልፊ ስራሕን ግን በበይኖም እዮም።

ብቐሊል ንምርድኡ ህርኩት ሰራሕተኛ ኣብ ቦታ ስራሕ ኮይኑ ብዛዕባ ኣዕሩኽቱ፣ ስድራቤቱን ፈለጥቱን ክሓስብ ይኽእል’ዩ። ወልፊ ስራሕ ዘለዎ ሰብ ግን ምስ ኣዕሩኽቱን ስድራቤቱን እንከሎ ኩለንትናኡ ኣብ ቦታ ስራሕ ይህሉ። ዕረፍቲ ኣይፈቱን’ዩ። ዕረፍቲ ምስ ወሰደ’ዉን እንተኾነ ንሱ ኣብ ስራሕ ስለዘየለ ‘ስራሕ ይግሕምጥ ይህሉ’ እናበለ የዕለብጥን ይጭነቕን። ከም ንግደት፣ ኣውደኣመት፣ ወ.ዘተ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ስድራቤታውን ማሕበራውን ኣጋጣሚታት ኣይንታዩን እዮም።

ሳዕቤናት ወልፊ ስራሕ’ከ ከመይ ዝበሉ እዮም? ወልፊ ስራሕ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ስለዘቃልዕ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ዘይስሩዕ ኣመጋግባ፣ ብኣካላትካን ስምዒታትካን ዘይምግዳስ ዝኣመሰሉ ባህርያት ከም እተማዕብል ይገብረካ።

ንማሕበራዊ ህይወት ዝኸውን ናይ ግዜ ዕድል ስለዘይህብ ንሓዳርን ፍቕራዊ ዝምድናታትን የላሕልሕ። ኣብ ሓዳር’ውን  መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ካብ መጻምዲ ግዙእ ወልፊ ስራሕ ምስ ዝኸውን ሓዳር ከይማሙቕ ወይ’ውን ናብ ፍትሕ ከምርሕ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ግዜኻን ኣቓልቦኻን ብምልጋስ ብዝግባእ ዘይዓንገልካዮ ዝምድና ክድልድል ኣይክእልን እዩ።

ምኽኑይ ብዘይኮነ ኣገባብ ነብስኻ ኣብ ስራሕ ምጽማድ ንፍቕራዊ ኮነ ማሕበራዊ ዝምድናታትካ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል እዩ። ሰባት ከኣ ንኽነብሩ ኣካላቶም ጥራይ ዘይኮነ መንፈሶምን ስምዒቶምን እውን ዕንጋለ ከም ዘድልዮ ክዝንጋዕ የብሉን።

ከም ዝኾነ ካልእ ዓይነት ወልፊ፣ ወልፊ ስራሕ’ውን ብቐሊሉ ክተወግዶ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ ወልፊ ስራሕ ንምንጋፍ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ብወልፊ ስራሕ ትሳቐ ከም ዘለኻ ምፍላጥን ንሳዕቤናቱ ምእማንን እዩ። ስለዚ በዚ ወልፊ እዚ ዝተጠቕዐ ሰብ ነብሱ ፈቲሹ ናይ ኣካይዳ ለውጢ ንምትእትታው ክጽዕር ይግባእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com