Friday , April 26 2024

ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ሽወደን ምስ ነርወይ ጽባሕ ሰንበት፣ ኣለክሳንደርዶ ወይስ ሮበን ምስ ቀዳሞት ይስልፉ!!

ኣብ ምድብ 6 ተደላዲላ ን ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ብ ክልተ ነጥቢ በሊጻ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ስጳንያ ብ 5 ነጥቢ ሪሒቓ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ሃገርዊት ጋንታ ሽወደን ጽባሕ ሰንበት ን ውሕስነታ ዘረጋግጽ ኣብ ሜድኣ ን ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ከተእንግዳ እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ መሳርዓ ን ኤርትራዊ መቦቀል ዘለዎ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ጸንቢራ ካብ ዘካየደቶ 5 ግጥማት ሓንሳብ ክትሰዓር ከላ ሓንቲ ድማ ብድራማቲካዊ ውጽኢት ኣብ ከተማ ኦስሎ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ 2 ሸቶታት የሕውያ ክትመርሕ እካ እንተክኣለት ኣብ መጨረሻ ደቂቅ ብዘተመዝገበታ ሸቶ ዝተመዓራረየት ሽወደን ብ 10 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከበ።

ኣብተን ዝተሰለፈለን ውሕዳት ደቓይቕ በዓል ውዕለት እዛ ጋንታ ዝኮነ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ድሕሪ ቡዙሕ ድፊኢት ተዓዘበተን ተንተንቲ ስፖርት ኣሰልጣኒ ያን ኣንደርሶን ኣብ ዝሓለፈ ጸውታ ካብ መጀመርያ ተሰሊፊ ኮኾብ ናይቲ ግጥማ ዝኽነ ኣለክሳንደር ሕጂ ከ ካብ መጀመርያ የስልፎ ዶ ይኸውን ዝብል፣ ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። ቀንዲ እቲ ምኽንያት ኣብ ጎኒ ማርቆስ በርይ ኣለክሳንድር ዶ ወይስ ኣብ ግጥም ኣንጻር ደሴታት ፋርኦስ ዘዕረፈ ሮበን ካይሶን ን ኣሰልጣኒ ያን ኣንደርሶን ኣብ ወጥሪ ሸሚምዎ ይርከብ።

እዚ ግጥም ብ ኣግኡ ን ስጳኛ ስዒባ ካልኣይ ደርጃ ሒዛ ትሓልፍ ሃገራዊት ጋንታ ዘለሊ ብሙኻኑን፣ ሃገራዊት ጋንታ ሽወድን ኣብ ገዛእ ሜድኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ትገጥም ብምህላዋ ኣዝዩ ዋሳኒ ስለዝኾነ ትንቃቀ ዝምልእ ጸወታ ይሓታ።

ኣብ ርያል ሶሰይዳ ኣጸቢቁ ን ኣለሳንደር ዝፈልጦ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ማርቲን ኦደጋርድ ኣለክሳንደር በልሕን ሓያል ተጻዋታይ መኻኑን ን ደቂ ጋንታኡ ኩዕሶ ሒዙ ኣብ ውሽጢ ክሊ ሳንዱቅ ፍጹም መቕጻዕቲ ክንቃሳቀስ ዕድል ከይህብዎ ካብ ሕጂ ምኽሩ ወስ ኣቢሉ።

እሞ ኣሰላልፋን ውጺኢት ጋንታ ንምርኣይ ጽባሕ ሰንበት ካብ ሰዓት 20:45 ብ ኣቖጻጽሪ ሽወደን ኣብ መሳኹቲ ተለቨዝን ሽወደን ንተዓዘቦ በዚ ኣግጣሚ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ሕጂ ውን ዓወን ን ኣሌክሳንደርን ጋንትኡን ንምነ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com