Thursday , March 28 2024

ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ኤውሮፓ ሽወደን ምስ ነርወይ ብናይ ሓባር ውጺኢት ተዛዚሙ።

ናብ ውድድር ዋንጫ ኤውሮፓ 2020 ንምሕላፍ ኣብ ሞንጎ ሽወደንን ነርወይን ኣብ ሜዳ ፍሬንድ ኣሬና ስቶኮልም ዝተኻየደ ውድድር ብናይ ሓባር ውጺኢት 1ብ1 ተፈላልየን። ነርወይ ካብ ጌጋ ተኸላኸልቲ ሽወደን ዝረኸበታ ኩዑሶ ብመንገዲ ሓለቃ ጋንትኣ ስተፋን ጆሃንሰን ኣብ ምውዳእ ናይ ቀዳማይ እብረ ኣብ መበል 45 ደቒቕ እካ መሪሓ ተነበረት ድሒራ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ብመንገዲ ኢመል ፎርሽበርግ ኣብ መበል 60 ደቒቕ እያ ክተመዓራረ ኪኢላ።

ክልትኤን ጋንታታት ቡዙሓት ዕድላት ዘባኸና ኮይነን በዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ናይ ክልተ ነጥቢ መሪሕነት ዓቒባ ናብ ዝቕጽል ፈታኒ ግጥማት ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ስፓኛ፣ ማላታን ሮማንያን ከተማዕዱ እያ።

ኣብዚ ምድብ ተደላዲለን ካብ ዘለዋ ጋንታታት ስጳኛ ንደሴታት ፋሮስ ኣብ ሜድኣ 4 ብ 0 ብምስዓር ነዚ ምድብ ክትመርሖ ከላ ከላ ሮማንያ ብጸቢብ ውጺኢት ን ማልታ 1 ብ 0 ብምስዓር ብ 10 ነጥቢ ብ ሽወደን ብ ሓደ ነጥቢ ተበሊጻ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com