Saturday , April 27 2024

ጠንቅን ሳዕቤንን ፍትሕ . . .

ክኸይድ ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ ድማ ቅልውላው መንነት ሒዙዎ ኣብ ነውጺ ክኣቱ ንቡር’ዩ። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ኣብ ሕማቕ ይወድቕን ሰኸም ሕብረተሰቡ ይኸውንን። ፈውሲ ናይዚ ኵሉ ሳዕቤን እንታይ’ዩ እንተ ደኣ ኢልና፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቱ ዝግባእ ትምህርቲን ስነ-ምግባርን ቀሲሙ ምስ ዝዓቢ’ዩ።

ስድራቤት ንመላእ ኣባላታ ብዘይርአ ሓይሊ (ፍቕሪ) ጠሚራ ናይ ምሓዝን ምሕብሓብን ጸጋ ዘለዋ’ያ። እቲ ኣብ ስድራቤት ዘሎ ክዕቀን ዘይክእል ፍቕሪ፡ ክንክንን ሓልዮትን ድማ’ዩ ንኣቦ፡ ንኣደን ደቆምን ዓቂቡ ዝሕዞም። ስለዚ’ዩ ፍቕሪ ስድራቤት ኣብ ዝኸድካ እንተኸድካ (ብፍላይ ንኤርትራዊ ዜጋ) ከም መተካእታ ዘይርከቦ ጸጋ ዝግለጽ። ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ፍቕሪ፡ ሓልዮትን ጥሙር ዝምድናን ክህሉ መሰረታዊ ነገር እኳ እንተዀነ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብድሆታትን ዘይምርድዳእን ከጋጥም ንቡር ነገር’ዩ። ኣካል ስድራቤታዊ ዝምድና ክበሃል’ውን ይከኣል’ዩ። እቲ ከቢድ በሰላ ግን፡ ብሰንኪ ዘጋጥም ብድሆን ዘይምርድዳእን ሓደ ካብ ወለዲ ምስ ዝስነፍ ወይ ስድራቤታዊ ተራኡ ምስ ዘቋርጽ’ዩ። እዚ ማለት መጻምዲ ብሰንኪ ብዙሓት ጠንቅታት ኣብ ምፍልላይ ምስ ዝብጽሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይቲን ዝርአ ዘይምርድዳእ ብዙሕ ግዜ ካብ ሓደ ቀሊል ዝዀነ ውሽጣዊ ባእሲን ኩራን ዝነቅል’ዩ። እዚ ንእሽቶ ባእሲን ኩራን ምስ ግዜ ይዓቢ’ሞ፡ ነቶም መጻምዲ ዝምድናኦም ኣዕንዩ ክረዳድእሉ ናብ ዘይክእሉ መድረኽ የብጽሖም። ምትህልላኽ ኣኸቲሉ ከኣ ንኹሎም ኣባላት ስድራቤት (ደቆም) ግዳይ ይገብሮም። መጻምድቲ ምስ ዝፈላለዩ፡ እቶም ብርዱእ ምኽንያት ብዝለዓለ ዝህሰዩን ግዳይ ኣካላዊ፡ ስነኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ጽልዋታት ዝዀኑ ቈልዑ’ዮም።

መጽናዕትታት ከምዝሕብሩዎ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይቲን ዝኽሰት ባእሲ ጉዳይ ፋይናንስ ምዃኑ’ዮም ዝሕብሩ። እዚ ከኣ፡ እቲ ከም ናባዪ ስድራቤት ዝጽዋዕ ኣቦ ነታ ስድራ እኹልን ውሑስን ገንዘብ ምስ ዘይህባ ዝነቅል’ዩ። ዘየቋርጽ ሕማቕ ልምዲን ወልፊን’ውን ምስዚ ተደሚሩ ዝኸይድ’ዩ። ብተወሳኺ፡ እኹል ፋይናንስያዊ ውሕስነት ከየረጋገጽካ ሓዳር ክትምስርት፡ ትሕተዕድመ እንከለኻ ክትምርዖ፡ ትምህርትኻ ከይወዳእካ ናብ ሓዳር ክትኣቱ፡ ብዓቢኡ ስራሕ ምስኣን. . . ወዘተ ገለ ካብቶም ኣብ ሓዳር ምስ ኣተኻ ፋይናንስያዊ ጸገም ዝፈጥሩ፡ ንመጻምዲ ድማ ሓያል ብድሆ ዘስዕቡ ምዃኖም ክኢላታት ናይዚ ዓውዲ ይገልጹ። መፍትሒ ናይ’ዚ ድማ ቅድሚ ስድራቤት ምምስራት ሓያልን ኣተኣማማኒን ፋናንስያዊ ምቅርራባት ምግባርን እኹል ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ብቕዓት ምርግጋጽን ዘድሊ ምዃኑ ክኢላታት የብርሁ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ጠንቂ ምፍልላይ መጻምዲ፡ ብሰንኪ ጽልዋ ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽ ዝመጽእ’ዩ። መጻምዲ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ምስ ዘይህሉ ብስድራቤቶም ይኹን ብኣዕሩኽቶም ብቐጥታ ክጽለዉን ሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ይኸእል። ብሓሶትን ሕሜታን ስድራቤትን ኣዕሩኽን መኣዝኖም ኣብ ምስሓትን ኣብ ምውንጃልን ይበጽሑ። ኣብ ምፍሕፋሕን ዘይምትእምማንን እንተ ደኣ በጺሖም ድማ ሳልሳይ ኣካል (መንጎኛ) ክኣቱ ግድን ይኸውን’ሞ፡ ሓንሳብ ንፋስ ዝኣተዎ ሓዳር ክጥዒ ስለዘይክእል፡ ንሓድሕዶም ክወናጀሉን ክቆናጸቡን ሕማቕ ዘረባባታት ክቀባበሉን፡ ብዝፈጠሩዎ ዘይምርድዳእ ከኣ፡ ግዳይ ፍትሕ ክዀኑ ይረኣዩ። ዝዀነ ሓዳር ኣብ ዘይኩነታዊ ፍቕሪ ክስረት ኣለዎ። ስድራቤት ምምስራት ማለት ድማ ምእንቲ መጻምድኻን ደቅኻን ርእስኻ ምስዋእን ርእስኻ ምኽሓድን’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብ ሓቂ ዝተሞርኰሰ ፍቕራዊ መስዋእቲ ዘይምኽፋል፡ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ምፍልላይ ብዙሓት መጻምዲ ዝኸውን።

ብተወሳኺ፡ ጥልመትን ዘይተኣማንነትን ጠንቂ ምብትታን ሚልዮናት ስድራቤታት ኰይኑ ኣሎ። ጥልመትን ዘይምትእምማንን ዝጅምር ድማ ሓደ ካብ መጻምዲ ማለት ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምስ መጻምዱ/ዳ ቅሬታን ዘይምሕጓስን ምስ ዝጅምሩ’ዩ። ስለዚ፡ በብወገኖም ከኣ ድሌታቶም (ስምዒታዊ፡ ጾታዊን ፋይናንስያዊን ክኸውን ይኽእል) ንምዕጋብ ብጻይ ወይ ዓርኪ ዝዀኖም ኣብ ምንዳይ ይኣትዉ። ኣብ ሓዳሮም ዘለዎም ሓላፍነት ብምዝንጋዕ ከኣ ናብ ምብታን ይበጽሑ። ንጥልመትን ዘይምትእምማንን ከተወግደሉ ዘኽእለካ ሓደ መንገዲ ኣቐዲምካ ምስ መን ትምርዖ ርግጸኛ ምዃን’ዩ። ስለዚ፡ ክትዛመድ እንከለኻ ምስቲ እትጻመዶ ሰብ ዘየቋርጽ ፍቕራዊ ህይወት ከተሕልፍ ምዃንካ ምስትውዓል ኣገዳሲ’ዩ።

ብዘጋጥም ምፍልላይ፡ ሰብኣይን ሰበይቲን ቀዳሞት ግዳይ እኳ እንተዀኑ ብዝለዓለ ዝህሰዩን ዝጉድኡን ግን እቶም ቈልዑ’ዮም። ቈልዑ፡ ይትረፍ ፍትሕ፡ ወለዶም ኣብ ገዛ ክበኣሱን ክቋየቑን እንከለዉ ከይተረፈ’ዮም ዘይተደልየ ጭንቀትን ምጉዳል ርእሰ- ምትእምማንን ዝወርዶም። ምስ ዓበዩ ድማ ከምታ ኣብ ወለዶም ዝርኣዩዋ ኣብ ልዕሊ ሓዳሮም ተመሳሳሊ ባህሪን ጠባይን የንጸባርቑ። ከምኡ’ውን ብሰንኪ ኣብ ወለዶም ዝዕዘብዎ ቈይቊን ጭቕጭቕን፡ ስምዒቶም ናይ ምቁጽጻር፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ንዘጋጥሙ ጸገማት ናይ ምብዳህን ናይ ፍታሕን ዓቕሞም ዝወሓደ ይኸውን። ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝርከብ ሕብረተሰብ ድማ ስኒት ክስእኑ፡ ቁጡዕን ጐነጻዊን ባህሪ ከዘውትሩ ይረኣዩ። ናይ ወለዲ ምፍልላይ ሳዕቤኑ ኣብቶም ቈልዑ ክግሃድ ዝጅምር እቶም ቈልዑ ኣብ ደረጃ ጕርዝውና (ብጽሕና) ክበጽሑ ምስ ጀመሩ’ዩ። እኹል ስድራቤታዊ ፍቕሪን ስኒትን ቀሲሞም ስለ ዘይዓበዩ ከኣ፡ ኣብ ደረጃ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ፡ ብሰንኪ ምፍልላይ ወለዶም ቅዛነት፡ ጭንቀት፡ ዘይተኣዛዝነት፡ ቁጥዐን ትሑት ርእሰ-ኣኽብሮት ዝውጽኢቱ ውሽጣዊ ነውጺ የስዕበሎም። ስለዚ፡ ወለዲ ቅድሚ ምፍታሖም ነዚ ኵሉ ሳዕቤን ኣቐዲሞም ክሓስብሉን ንዝወስዱዎ ስጕምቲ ግቡእ ግምገማ ክገብሩሉን ምሕጽንታ ዘድልዮ ኣይኰነን።

ብፍትሕ ዝተበተነት ስድራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማሕበረሰብ እኹል ኣድህቦ ክወሃባ ይግባእ። ዝምልከቶም ኣካላት’ውን ጸገማታ ኣብ ምፍታሕን ጥጡሕ መጻኢ እትመርሓሉ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ክተሓጋገዙዋ ኣለዎም። እቲ ምንታይ ኣብ ስድራቤት ዘጋጥም ጸገም፡ ነታ ስድራ ጥራይ ዘይኰነ ብውህሉል መንገዲ ንማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መዳይ ናይ ሓንቲ ሃገር ስለ ዝጸሉ። ስድራቤታት’ውን ነዚ ተረዲአን ደቀን ብጽቡቕ ስነ-ምግባርን ክብሪታትን ሕብረተሰበን ከዕብያን ኣብቲ ዝብጻሕ ከብጽሓኦምን ኣለወን። ዘይኩነታዊ ፍቕሪን ዘልኣለማዊ ክንክንን መሰረት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ስድራቤት ምዃኑ ከስተውዕላ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ከምኡ’ውን ወለዲ፡ ሳዕቤን ፍትሕ ተገንዚቦም ፍልልያቶም ከጽብቡን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ፍቕራዊ ህይወት ክመርሑን ይግባእ። እንተደኣ ተሓላሊኻን ተኸባቢርካን ክብጻሕ ዘይክእል ዓወትን ስኒትን የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com