Friday , April 19 2024

ጸቕጢ , ድቃስን

ጸቕጢ

ንብዙሓት ሰባት፡ ጸቕጢ ይስምዖም። ጸቕጢ፡ ግድን ሓደገኛ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። ጸቕጢ፡ ጽንኩር ኩነታት ንኽትጻወር ሓይሊ ይህብ። ዓቐን ዘይብሉ ጸቕጢ ግን፡ ንጥዕና ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል‘ዩ። ጸቕጢ ዝስምዓካ እንተ ኾይኑ፡ ምኽንያቱ ምፍላጥ ጽቡቕ‘ዩ። ሽዑ፡ ኲነታትካ ተኸታቲልካ ክትቅይር ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።

 ገለ ካብ ምልክታት ጸቕጢ፡ ድቃስ ምስኣንን ሕዙን ምዃንን‘ዮም። ኣተኵሮ ክትገብር የጸግመካ፡ ናይ ምዝካር ክእለትካ ይንኪ፡ ጸገማት ስቶማኮ ይመጸካ፡ ርእስኻ ትሓምም ወይ ኣካላትካ የቐንዝወካ።

 ትንቀሳቐስ እንተዄንካ፡ ኣመጋግባኻ ጽቡቕ እንተ ኾይኑ፡ ዝኣክል ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ ነብስኻ ጸቕጢ ንኽጻወር ይሕገዝ።

 ድቃስ

ንኽትጥዒ፡ ዝኣክል ድቃስ ክትረክብ ኣገዳሲ‘ዩ። ሓደ በጽሒ፡ ምዓልታዊ ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ኣዘውቲሩ ክድቅስ ኣለዎ። ቆልዑን መናእሰይን ግን፡ ዝያዳ ድቃስ የድልዮም።

ጸገም ድቃስ ከጋጥም ልሙድ ነገር‘ዩ። ብዙሕ ምኽንያት ክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ንኣብነት፡ ሽጋራ ምትካኽ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ምሕርናኽ፡ ሕማም፡ ሻቕሎትን ጸቕጥን፡ ወይ ከኣ ኣምሲኻ ምብላዕ። ባዕልኻ ሕይሽ ዝበለ ድቃስ ክትረክብ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ገዛ፡ ጸልማት፡ ህዱእን ዝሑልን ምስ ዝኸውን ማለት’ዩ።

ቀቅድሚ ምድቃስካ ዘይምብላዕ’ውን ጽቡቕ ክትድቅስ የኽእለካ። ኩሉ ግዜ፡ ትድቅሰሉን ትትስኣሉን ሰዓታት ሓደ ምስ ዝኸውን’ውን ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ የኽእለካ። እቲ ናይ ምድቃስ ጸገም ነዊሕ እንተ ቐጺሉ ግን፡ ሕክምና ምኻድ፡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል‘ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com