Wednesday , April 24 2024

ፈረንሳዊ ግሬዝማን 6ይ ዝኸብረ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ኮይኑ!!

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ብሙኻና ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ዝኾነ ኣንቶንዮ ግረዝማን ብ107 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ባርሴሎና ብምስግጋር 6ይ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኮይኑ። እዚ ምስ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ን ሓሙሽተ ዓመት ዝተጻወተ ግሬዝማን ኣብ 257 ግጥማት 133 ሸቶታት ከምብዝጋብ ኣብ ዝተፈላለየ መስመር ምጥቃዕ ዝስለፍ ኮይኑ ህጂ ድማ  ን ሓሙሽተ ዓመታት ብ 720 ሚልዮን ፓውንድ መስበሪ ውዕል ብምፍራም ኣብ ዓመት 21 ሚልዮን ደሞዝ ብምስምማዕ እዩ ምስ እዛ ካቶሎናዊት ክለብ ፈሪሙ ዘሎ።

ኣብ ባርሴሎና ሻምፕዮንስሊግ ንምዕታር ተሃንጥዩ መጺኡ ዘሎ ግሬዝማን፡ ብራዚላዊ ነይማር ስዒብዎ ናብዛ ጋንታ ምስ ዝመጽእ፡ ኣብ ቅድሚት ኣብ መንጎ፡ ሜሲ፡ ስዋሬዝ፡ ግሬዝማንን ነይማርን ን3 ቦታ ኣብ ምሓዝ ከቢድ ስራሕ ክሓቶ ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com