Friday , March 29 2024
John Alexander Sahlin / TT

ፈረንሳ ን ሽወደን ተኸቲላ ሓዱሽ ሕጊ ቈልዑ ክትነድፍ ኢያ!!

ፈረንሳ ኣብነት ሽወደን ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ኩሉ ዓይነት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክትእግድ ምዃና ኣፍሊጣ። ፈረንሳ ምጽፋዕን ካልእ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ኣካላዊ መጥቃዕትን ዝእግድ ሕጊ ከተሕልፍ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ። በዚ ድማ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንዝእግዳ ብምጽንባር ፈረንሳ መበል 56 ሃገር ኮይና’ላ።

እዚ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ምቊራጽ ኲሉ ዓይነት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ውድብ ብዓቢ ሓጊስ ከም እተቐበሎ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ሕጊ ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲምና ክነሕልፎ ይግናኣና ኔሩ” ክትብል ኣባል ባይቶ ፈረንሳ ገሊጹ። “ጎነጽ መሃሪ ኣገባብ ኣይኮነን” ክብል ሚኒስተር ኣድሪያን ታኪ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com