Friday , April 26 2024

ፈደረሽ ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ብ ጉዳይ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣብ ልዕሊ ሩማናይ ዝተዋህበ ውሳኔ ይቓወሞ።

ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ብማሕበር ኩዑሶ እግሪ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ሮማንያ ንዝሃበቶ ውሳነ ብምቅዋም ይግባይ ይብል። ሮማንያ ድሕሪቲ ምስ ሽወደን ዝተኻየደ ግጥም ኣብ ልዕሊ ተጻዋታይ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ብዝወረደ ብጒዳይ ዓሌትነት ተኸሲሳ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ማሕበር ኩዑሶ እግሪ ኤውሮጳ ግና ንማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሮማንያ ብናጻብምባሉ እዩ ዝላዓለ ቕረትኡ ዘስምዕ ዘሎ።

ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን እዚ ብይን ጌጋ እዩ ብምባል ዳግማይ ብዕቱብ ተራእዩ ጉዳይ ዓለትነት ንኸየስፋሕፍሕ ጥርዓኑ ዘቅርብ ዘሎ። እዚ ውሳነ ጌጋ እዩ ክትብል ሰክረታሪ ጀነራል ሆካን ሾስትራንድ ገሊጹ። ከምዝፍለጥ ኣብ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ውድድር ኣውሮጳ ድሕሪ ዝወረዶ ናይ ዓለትነት መጥቃዕቲ እዩ እቲ ክሲ ንሮማንያ ቀሪቡላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com