Friday , March 29 2024

ፈጸጋ

ፈጸጋ ኣብ ቆርበትና ንኣሽቱ ነድሪ ቆርበት ወይ ዕንፍሩር ምስዘጋጥም ዝፍጠር ኩነት እዩ ኮይኑ ድማ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቀጸላ ቆርበት ዝርከቡ ጽቅታት ቅብኢ ዝምዕብልዩ።
እዞም ጽቅታት ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ ቆርበትና ዝርከቡ፡ንቆርበትና ቅብኢ ድምስርሑ ኮይኖም ቆርበትና ንኸይደርቕን ኣንጻር ዝተፈላለዩ ረኽሲ ባክተርያን ፉንገስ ናይ ቆርበትን ይከላኸለልና። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እዋን ጉብዝና ፈጸጋ የጋጥሞ።እንተኾነ ክብደቱ/ብርትዔ ፈጸጋ ይፈላለ።ቀይሕ ወይ ጻዕዳ ዕንፍሩር /ዝነደረ ቆርበት ናይ ፈጸጋ ኣብ ገጽና፡መንኩብና፡ ደረትና ከምኡውን ኣብ ሕቆና ብፍላይ ይርኤ።
ፈጸጋ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።ፈጸጋ ካብ ደቀንስትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቀተባዕትዮ ብዝያዳ/ብብዝሒ ይርኤ።

ኩነታት ቆርበትና ኣብ ግዜ ጉብዝና ብናይ ሆርሞናት ጽልዋ ለውጢ ይገብር።እዞም ቅብኢ ዘፍርዩ ጽቕታት ቆርበትና ምስ ጉብዝና እንዳገዘፉ ይኸዱሞ ፡ዝያዳ/ብብዝሒ

ቅብኢ ቆርበት ከፍርዩ ይጅምሩ ፡ ትሕዝቶ ቅብኢ ቆርበት ድማ ሓፊስ ይኸውን።ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጽቅታት ናብ ላዕለዋይ ቆርበት፡ ቅብኢ ናይ ቆርበት ዘመሓላልፍ መስመር ክዕበስ ይኽእል፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓፊስ ቅብኢ(ስብሒ) ይእከብ።
ፈጸጋ ንሓያሎ ዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል ጸገም ናይ ቆርበት’ዩ ፡እንተኾነ ግን መብዛሕቱ ግዜ ፡ቅድሚ 25 ዓመት ዕድመ ምግባርና ባዕሉ ክጠፋእ ይኽእል።
እንሓንሳብ ፈጸጋ ኣብ ሂወትና ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ይኽእል።
ፈጸጋ ሕዱር ጸገም ናይ ቆርበት ባህርያት ስለዘለዎ ክፍወስ ኣይክእልን ።
ፈጸጋ ባዕሉ እዩ ዝጠፍእ።ክሳብ ፈጸጋ ዝጠፍእ መዕገሲ ዝኸውን ኣገባባት ኣፈዋውሳ ኣለዉ።
ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ፈጸጋ ግን የልቦን ።
ፈወሳ ናይ ፈጸጋ ኣብ ብርትዔ ናይ ፈጸጋ፡ጥርዓናት፡ዘምጽኦ በሰላ፡ዕድመን ጾታን ዝምርኮስ’ዩ።ንፍኹስ ዝበሉ ዓይነት ፈጸጋ ዝልከዩ መድሃኒት ኣለዉ። ንኽብድ ዝበሉ ዓይነት ፈጸጋ ድማ ጸረ ረኽሳት ምጥቃም ይክኣል።እንተድኣ ፈጸጋ ኣዝ’ዩ ሓደገኛ ኮይኑ ፍርያት ቅብኢ ናይ ቆርበትና ደው ከብሉ ዝኽእሉ መድሃኒታት ብመልክዕ ከኒና ዝውሰዱ ኣለዉ በዚ መስርሕ ድማ ቅብኢ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ቀጸላ ቆርበትና ካብ ምእካብ የከላኸሉልና።
ትሕዝቶ ናይዞም ከኒና መድሃኒት (isotretinoine)ዝተባህለ ንጥረ ነገር ልክዕ ምስ ትሕጽቶ ናይ ቪታሚን ኤ ዝተሓሓዘ እዩ።ብተወሳኺ ገለ ዓይነታት ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ተመሳሳሊ ጽልዋ/ውጽኢት ኣለዎም።እንተኾነ እዞም ዓይነታት መድሃኒት ከቢድ/ብርቱዕ ዓይነት ፈጸጋ ንዘለዎም/ ወን ሰባት ጥራይ ብሓኪም ይእዘዝ።እዞም ዓነታት መድሃኒት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል።

ባዕላትና ክንገብሮም ዝግብኣና ነገራት

 ¤ ኩሎም ዘበሉ ተኽእሎታትን ወይ ኣማራጺታት ፍወሳ ናይ ፈጸጋ ምስ ሓኪምና/ ሃውዝኣርትስ ንመያየጥ ብምቅጻል ምስ ቕዲ መነባብሮናን ከምኡውን ምሳና ዝሰማማዕ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ንምረጽ።
 ¤ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ፈጸጋ ብግቡእ እንተተኸታቲልናዮ ጥራይ ኢና ጽቡቕ ውጽኢት እንረኽበሉ።
¤ ብቐጻሊ መድሃኒት ምቅይያር ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ጥንቂ ፈጸጋ ብዙሓት ነገራት ስለዝኾኑ ፡እንሓንሳብ ዝተፈላለዩ ኣገባብ ፍወሳ ብሓንሳብ ኣጣሚርካ ምኻድ የድሊ ።
¤ ብተወሳኺውን ውጽኢት ፍወሳ ንኽንርኢ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ የድሊ።
¤ ዕንፍሩር ናይ ፈጸጋ ክንሓኮም ወይ ክንጸቅጦም የብልናን ምኽንያቱ በሰላ ክገብሩልናን ከምኡውን ነድሪ ስለዘጋድዱ እዮም።
¤ እንተድኣ ብናይ ባዕልና ተበግሶ ፈጸጋ ከነወግዶም ምስዘይሰልጠና ባህርያዊ ኣገባብ ፍወሳ ክሕግዙና ይኽእሉ ።
 ¤ ዝያዳ ቅብኢ ቆርበትና ንምእላይ ንመዓልቲ 2 ግዜ ለበጥ ዝበለ ማይ ግርና ንሕጸቦ ።
¤ ፈጸጋ ብናይ ጽሓይ ጽልዋ ክጎድል ይኽእል ፡ብፍላይ ኣብ ደረትና ወይ ሕቆና ንዝወጹ ፈጸጋ፡እንተኾነ ቆርበትና ናይ ጽሓይ ቃጸሎ ከየጋጥም ንከላኸል።
¤ ጽቕታት ቅብኢ ቆርበትና ክዓብስዎም ወይ ክሽፍንዎም ዝኽእሉ ንጥረ ነገራት ከም መምላኽዒ ክሬማት (cosmotica)ነወግድ።መመላኽዒ ሜክኣብ ክንጥቐም ምስእንደሊ ብዝተኻእለና መጠን ውሑድ መጠን ንጠቀም።እንመርጾም ዓይነት ሜክኣባት(ክሬማት)

ማይ ዝሰረቶም ክኾኑ ይምረጽ (ንኣብነት ስሊኮን ዘይብሎም ክሬም )።

ኩሉግዜ ቅድሚ ምድቃስና ሜክኣብ ብማይ ወይ ድማ ብናይ መሕጸቢ ጀል ብምጥቃም ንእለዮም፡ብናይ መጽረዪ ክሬም ኣይንጠቀም።

ምፍሕፋሕን ምጽቃጥን ንፈጸጋ ዘጋድዱ እዮም ብዙሕ ምጽቃጥን ብዙሕ ምፍሕፋሕን ብዝተኽእለና ነወግድ።
 ፈጸጋ ብምህላውና ንዝኾነ ነገር ክድርተና ኣይግባእን ። ብዙሕ ግዜ ምስ ፈጸጋና ንሰባት ቁሉዓት ምስእንኸውን ፡ ዝኾነ ሕማቕ ስምዒታት ኣይህልወናን ንኣብነት ብሕፍረት ኣይንሳቐይን።

ገለ ሓቅታት ፈጸጋ

 ፈጸጋ ብጉድለት ንጽህና ዝምዕብል ኣይኮነን
 መግብታት ከም ቾኮሌት፡ስጋ ሓሸማ ፡ቺፕስ ኣብ ምምዕባል ወይ ፈጸጋ ዘጋድዱ ምኻኖም ንጹር ዝኽነ ጽልዋ የብሉን። ፈጸጋ ብዝተፈላለዩ ዓይነት መግቢ ምስ በላዕና ዝብእስ እንተድኣ ኾይኑ እቲ ዝበለጸ ፈጸጋ ዘጋደዱልና ዓይነታት መግቢ ምውጋድ።
 ክብ ለጠቕ ናይ ሆርሞናት ኣብ ደምና ንፈጸጋ ክጸልዎ /ክብእስ ይኽእል።እዞም ዓይነታት ሆርሞን ኣብ ደቂኣንስትዮ ዓብ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ።
 ጭንቀትን ጸቕጢ ኣእምሮን ንፈጸጋ ከጋድዱ ይክእሉ።
 ፈጸጋ ብሕጽረት/ጉድለት ቪታሚን ኤ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com