Friday , April 26 2024

ፊንላንዳዊ ሓኪም፡ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና-19 ካብ ሽወደን ዝመጹ እዮም።

ሓደ ኣብ ከባቢ ኦስተርቡተን ዝሰርሕ ፊንላዳዊ ሓኪም፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሰባት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ብቫይረስ ዝተለኽፉ ምንባሮምን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናብታ ሃገር ክግያሽ ከምዘይግባእ ክብል ከምዘጠንቀቐ SVT ሓቢሩ። ኣብ መጨረሽታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበት ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነት ካብ ሽወደን ዝመጸት ሰብ ነይራ ክብል ኣብ ሆስትፒታል ፋሳ ዝሰርሕ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ፡ ጆና ሳሉን፡ ኣብ ዓምድታት ፊንላንዳዊ ጋዜጣ Yle ጽሒፉ።

ፊንላንዳዊት ኦስተርቡተን ምስ ፊስተርቡተንን ፊስተርኖርላንድ ዝበሃላ ክልተ ከባቢታት ሽወደን ዝተዳወበት ከባቢ ብምዃና፡ ኣብዘን ከባቢታት ዝነብሩ ኣህዛብ ብመንገዲ መራኽብ ኣቢሎም ካብን ናብን ከምዝጓዓዙ ይፍለጥ። ሃገረ ሽወደን ሓንቲ ካብተን ብቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ኤውሮፓ እናኾነት ትመጽእ ስለዘላ፡ ንጉዳይ ናብታ ሃገር ዝግበር መገሻ ኣመልኪቱ እቲ ሓኪም መጠንቀቕትኡ ኣመሓላሊፉ። ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ሕማም’ኳ እንተዘየርኣየ፡ እቲ ዝተሓበረ ናይ ክልተ ሰሙን ናይ ውሸባ መስርሕ ክፍጽም ይግባእ ክብል እቲ ሓኪም ወሲኹ ጽሒፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com