Friday , March 29 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ፍቕርን ካልኣይን መወዳእታን ብናስሮቪች

ነቲ ዝህሉ፤ ምሳና ዝነብርን ዘሎን እውን ነፍቅር ኢና፡፡ ብኣኣቶም ባህ ይብለና፡፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ግሪኻውያን ፊልያ ኢሎም ይጽውዕዎ፡፡ እዚ ናይቲ እንስእኖ ኣካል ረባጺ ባህጊ ኣይኮነን፤ እዚ ፈለፋሊ ዛራዪ ሓጎስና እዩ፡፡ አረ ንባዕሉ”ውን ሓጎስና እዩ፡፡ ጥብቕ ዝበለ ኣካላዊ ምርኻብን መሰተጋብርን ፍቑራት፤ ፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ተወፋይነትን መጻምዲን ኣዕሩኽን ኣብዚ እዩ ዝምደብ፡፡ ፊልያን ፈልፋሊ ሓጎስን መጓዕዝቲ እየን፡፡

እዚ ዓይነት ፍቕሪ ገለ ባእታታት ኤሮስ ዝሕውስ እኳ እንተኾነ ካብ ረባጺን ጎነጻዊን ስምዒታት ግና ዝነጽሀ እዩ፡፡ ፊልያ “ዕርክነት” ማለት ድዩ? ዝበዝሕ እዋን ከምኡ እናተባህለ እዩ ዝትርጎም፡፡ እዚ ግና ንዓቕሙን ስፍሓቱን ዝግድብ ኣተራጉማ እዩ፡፡

ኣደ ንወዳ ዝህልዋ ፍቕሪ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝህሉ ምፍታውን ኩሎም ዓይነታት ፊልያ
እዮም፡፡ እዚ ንገዛእ ባህታኻ ኢልካ እትነብሮ ስምዒት ኣይኮነን፤ ኣብ ፊልያ ባህታ እቲ ኻልእ ካብ ባህታኻ ይቕድም፡፡
ኵኔታ ኣደነት ብዕግበትን ሓጎስን ውሉድ ምዕጋብ እዩ፡፡ ኣብ ፊልያዊ ሓዳር እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ እዮም ዝነብሩ፡፡ ናተይ ናይ ውልቀይ ዝብልዎ ነገር ኣይህልዎምን፡፡ እቲ ኣካላዊ ርክብ እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንኸዕግብ ኢሎመ እዮም ዝገብርዎ፡፡ ምሃብን ሓጎስ ምፍጣርን እቲ ቀጻሊ ደራኺ ስምዒት እዩ፡፡ ብምሃብ፤
ብምውፋይ፤ ብምሕላይ መመሊሱ ዝውሕዝ ጃሓጃሕታ ሓጎስ መለለዪ ፊልያዊ ፍቕሪ እዩ፡፡ ውርጪ ምጭምዳድ ቆርበትን እርጋንን አየጥፍኦን፤ ክሳብ ህላዌ ከኣ ይህሉ፡፡

እቲ ሳልሳይ ዓይነት ፍቕሪ ጸኒሑ ኣብ መዛግብ ፍልስፍና ፍቕሪ ዝኣትወ እዩ፡፡ ፕላቶ፡ ኣሪስቶትል ይኹን ኤፒኩረስ ብዛዕባዚ ቃል ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን፡፡ ፍቕሪ ንኣኣቶም ወይ ኤሮስ ወይ ፊልያ ጥራይ እዩ ዝነበረ፡፡ ፍቕሪ ርሱን ታፍላ ወይ “ዕርክነት” እዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ ኔሮም፡፡

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ኣብ መንጎ ኣይሁድ “ንጸላእትኻ ኣፍቅር”፤ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”፤ “ንጎረቤትካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ጋሻ ምህሮ ዝምህር ሰብኣይ ተቐልቀለ፡፡ እዚ ንግሪኻውያን ፈላስፋታት ዓቢ መንጸሮር ነበረ፡፡ እዝስ ኣብ ፊልያ ድዩ ክምደብ ወይስ ኣብ ኤሮስ፡፡ ካብ ክልቲኡ ወጻኢን ዝተፈልየን ዓይነት ፍቕሪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ኔሩ፡፡ ኣሪስቶትል “ኣምላኽ ዝጎድሎ ዘይብሉ ፍጹም እዩ፡፡ ምስ ካልእ ፍቕሪ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ፡፡ ንሱ ዘለኣለማዊን ኣብ ዝቕባበ መለኮታዊ ሓጎስ ዝነብርን እናሃለወ ምስ ኣዝዩ ሓጺርን ዘሕዝንን ህላወ ዘሎና ድቂሰብ ጉዳይ ክህልዎ ኢልካ ምሕሳብ ትርጉም ኣልቦ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ፡፡

ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት (ሃዋርያት) ቀንዲ ብድሆ ኸኣ ነዞም ብፍልስፍና እተቓነዩ ንግሪኻውያን ብዛዕባ እዚ ጓና ኮይኑ እተራእዮም “ፍቕሪ ኣምላኽ” ክርድኡ ምግባር ነበረ፡፡ ነዛ ሎሚ እንፈልጣ “ኣጋፐ” ትብል ቃል ዝመሃዝሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ ኔሩ፡፡

ኣጋፐ ግና እንታይ እዩ? ኣጋፐ ዘይቅድመ-ኩነታዊ ፍቕሪ እዩ፡፡ ንሰብ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ (ጥቓኻ ይሃሉ ይርሓቕ) ይኽፋእ ይጸብቕ፤ ይጠዐ ይሕሰም ምንም ቅድመ-ኩነት ዘየቐምጥ ወሓዚ ፍቕሪ እዩ፡፡ እቲ ምንጩ ድማ እቲ ኣብ እስራኤል እተሰብከ ሓድሽ ዝዓይነቱ ፍቕሪ እዩ፡፡

እቲ ፍጹምን ሕፍቲ ኣልቦን ኣምላኽ ንዓለም ምስ እንቅዓ ክፍኣታን ኣበራን እዩ ዘፍቅራ፡፡ ስለዚ ሰባት ድማ ንሓድሕድና ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንፋቐር ዝብል እዩ፡፡

ንኽፉእ ብኽፉእ ኣይትመልሰሉ፤ ንስለ ጸላእትኻ ጸሊ ዝብልን ካልእን ንግሪኻውያን ፍጹም ጋሻ ዝኾነን ንምርድኡ ዘጸገሞምን ትምህርቲታት ከኣ የጠቓልል ነበረ፡፡

እዚ ብጥቐልሉ እንክረአ ምንጪ ኩሉ ክፍኣትን ጎነጽን ዝኾነ ኣነነትን ስስዐን ብኣድማሳዊ መንፈሳዊ ዕርክነት ክትካእ ዝሰብኽ፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉኣላዊ ኣምላኽ ኩሉ ሰብ ብፍጥረቱ ዝብጽሖ ሓደ ምንጪን ኣቦን ከም ዘለዎ፤ በዚ ድማ ፍልልያት ዓሌት፤ ቋንቋን ባህልን ኣረ”ውን ሃይማኖታት ብዘየገድስ ኣሕዋት ምዃንና ዝምህር ፍቕሪ እዩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com