Friday , April 26 2024

ፕሮሶሰይ ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ምስ ሰመረ ዝተሰማማዕናዮ፡ ናይ ሓዳር መደባት ንምትግባር ኣብ መስርሕ ከለና፡ ሓንቲ ልክዕ ከም ከማይ ነጋዲት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቱርኪ እትመላለስ፡ ደጋጊማ ሓደ ንመጻእየይ ዝጸልምት ሓሳባት እናምጽአት ደጋጊማ ትልምነኒ፡ ልክዕ ንምዃን ኣርሴማ’ዩ ስማ።

ኣርሴማ፡ ”ብመንገዲ ቱርኪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ብሉጽ ህይወት ክንመርሕ ኢና” ብምባል ደጋጊማ ክትልምመኒ ትጅምር፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዕዞ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዋ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ደጋጊማ ናይ ኤውሮጳ ጽባቐ ምስ ነገረትኒ፡ ኣታሓሳስባይ ክቅየርን፡ ናይ ኤውሮጳ ገነት ክርኣየንን ጀሚሩ፡ ምስ ሰመረ ዝነበረኒ ፍቅሪ ክሃስስን፡ ናይ ሓዳር መደበይ ክበታተኽን ጀመረ። ብሉጽ ፍቅሪ ሰመረ ተረሲዑ፡ ምስ መሓዛይ ሕቱኽቱኽ ተጀመረ። ኣብ ህይወተይ ድማ እቲ ዝኸፍአን ዘሰንብድን ታሪኽ፡ ካብዛ ግዜ ክጅምር ብዓይነይ ተዓዘብክዎ፡ ኣሰንባዲ ታሪኸይ ድማ ካብዚ እዪ ዝጅምር—።

እዚ ናተይ ናይ ሓፍትዂም ሜሪ ሓቐኛ ዛንታ ኮይኑ፡ ብውልቀይ ክገልጾ ዝተበገስኲሉ ምኽንያት ኣለኒ፡ ከማይ ደቒ ኣንስትዮ፡ ካብ ሕልሚ ተበጊስካ ኣብ ዘየድሊ ከምትወድቅ ካባይ ክምሃራ ኣለወን። ሰብ ንሰብ’ዩ ዝምህሮ። ሰባት ድማ ካባይ ክምሃሩ ኣለዎም ብምባል’የ ዝጽሕፎ ዘለዂ።

ብዝኾነ ምስ ሰመረ ዝነበረኒ ሓዳር ናይ ምምስራት መደብ ሰሪዘ፡ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምኻድ ምስ ምሓዛይ ክማኻረን፡ ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ጉጅም ክንብልን ጀመርና። ኣብ ኤውሮጳ ብምእታው ዘሕልፎ ሰናይን ዕውትን መንገዲ ክርኣየኒ ጀመረ። ኲሉ እቲ ኣብኡ ምስ ኣተዂ ዘሕልፎ ሰናይ ነገረ፣ ኣብ ቅድመይ ብርሃን ብምዃን ብናይ ሓጎስ ተስፋ ከምዘኽመስምስ ገበረኒ። ዕውት መንገዲ ዘሕልፈሉን ቅድመይ ብርሃን ዝኾነሉን እንኮ መንገዲ ንሱ ጥራይ ምዃኑ በርሃለይ።

ነቲ ካብ ልቢ ዘፍቅረንን ንሓዳር ዝምነየንን ዝነበረ ሰመረ፡ ምስ ብዙሕ ቁም ነገሩ ብሰላም ከንብረኒ እናኽኣለ፡ ከይነገርክዎ ምስ ምሓዛይ ተማኺረ፡ ናብ ሃገረ ቱርኪ ነቀልኲ። ነታ መዳሕንተይ ዝተቅብረላ ከተማ ኣስመራ ክገድፋ ከለኹ፡ ልክዕ ጓል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ነበርኲ። እዚ ዝኣክል ዕድመ ሒዘ’የ ድማ ሃብትን ንብረት ከምኡ’ውን ሙሉእ ጥዕና ሒዘ ክነብረሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ዝተንቀሳቐስኲ።

ምስ ኣርሴማ መሓዛይ፡ ናብ ሃገረ ቱርኪ ምስ ኣተና፡ እቲ ጽባቐን ግርማን ኤውሮጳ ንከተማ ኢስታንፑል ምስ ርኣናያ’ዩ ዝጅምር። ጽባቀ ናይታ ከተማ ምስ ርኣና፡ ብርግጽ ካብኡ ዝጽብቅ ከተማታት ኤውሮጳ ንኸይድ ከምዘለና ስለ ዝበርሃልና፡ ነብስና ብሓጎስ ምልእ ክብል ተፈለጠና። ቅልጥፍ ኢልና ናብ ሃገረ ኤውሮጳ ንምእታው ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ደላሎ ክንዘራረብ ጀመርና።

ካብ ሃገረ ቱርኪ ናብ ሃገረ ግሪኽ ኢኻ ትሰግር፡ እዚ ድማ ብኽልተ መንገድታት’ዩ፡ እቲ ቐዳማይ ብእግሪ ዝግበር ጉዕዞ ኮይኑ፡ ክንደይ መከራን ሽግርን ዘለዎ’ዩ። እቲ ካልኣይ መንገዲ ድማ ብባሕሪ ዝግበር ጉዕዞ ኮይኑ፡ ካብቲ ናይ እግሪ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ባሕሪ ተሳጊርካ ናይ ደሴታት ኣብ ዝርከባ ካምፕ ኢኽ ትኣቱ። እዚ ክልተ ምርጫ ምስ መጻና፡ ጥራይ ናብ ኤውሮጳ ንእቶ ዝብል ኒሕ ተቀኒትና፡ ካብ ብእግሪ ሃለኽለኽ ንብል፡ ብባሕሪ ቀረባ ብምዃኑ ብባሕሪ ክንከይድ ኢና ወሲና። ድኻምን ፈተናን ስለ ዘይብሉ።

ብዝኾነ ካብ ቱርኪ ተበጊስና ብባሕሪ ናብ ግሪኽ ክንኣቱ ዳርጋ ክልተ ሰዓት’ዩ ወሲድልና፡ ኣዝዩ ፈታንን ከቢድን ጉዕዞ’ዩ፡ ምኽንያቱ ነታ ጽባሕ ዘይትትካእ ህይወትና፡ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኢና ነቲ ጉዕዞ ተበጊስናዮ፣ መሬት ኤውሮጳ ከም ናይ መወዳእታ ምርጫና ንወስዳ ምኽንያት ኣይርድኣንን። ብዙሕ ክንሰርሕን ክንዓይይን እናኽኣልና፡ መዓት መጻኢ እንከለና፡ ነዛ ደጊምና ዘይንትክኣ ህይወትና ኣብ ፈተና ነእትዋ።

ብዝኾነ፡ ብሰንኪ እታ ኣርሴማ ስማ መሓዛይ ዝተበገሰ ጉዕዞ ኤውሮጳ፡ ካብ ፈለማ ብዘይ ኣፍልጦ ስለ ዝተበገሰ፡ ካብ ቱርኪ ባሕሪ ቖሪጽና ሳሞስ ኣብ ትብሃል ደሴት ናይ ግሪኽ፡ ኣብ ካምፕ ኢና ኣቲና። ኣብዚ ምእታውና ኣመና ኢና ተሓጊስና፡ ምኽንያቱ መሬት ኤውሮጳ ምርጋጽና፡ ናብቲ እንሓልሞ ገነት ዝኣተና ኮይኑ ተሰምዓና። ግና ኲሉ በንጻሩ’ዩ፡ በንጻሩ ጥራይ’ውን ኣይኮነን፡ እቲ ዝኸፍአ እምበር። በሉ ኲሉ እቲ ፍጻሜ ብዘይ ሕብእብእ ክገልጸልኲም’የ።

ኣብዛ ሳሞስ እትብሃል ደሴት ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ዮም ዘለዉ። ኣብቲ መዓስከር ምስ ኣተኻ ድማ ብቀጥታ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር(ዓሸራ) እዮም ዝገብርሉካ፡ እዚ ማለት ድማ ድሒሩ ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዝኸተማሉ ዝምምዕ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዓሸራ እንተገይርካ፡ ናብ ካልእ ሃገር ከይድካ ኢድካ ክትህብ ኣይክኣልን’ዩ። እዚ ከይፈለጥና ኢና ድማ ናብቲ መዕስከር ስደተኛታት ኣቲና። ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ኣብዛ ሃገር የለን። ኣብቲ ቦታ ዝጸንሓና ሓበሬታ ኣሰንባድን ሓቐኛን’ዩ። ኲሉ ዘይጽወር ኮነና፣ ናብ ነብሎ ጠፍኣና። ከይትሃድም ድማ ደሴት’ያ—።

ብዝኾነ ኣብዛ ደሴት ጉዳይና ሎሚ ክርኣይ’ዩ ጽባሕ ክንብል፡ ምስ ብዝሒ ስደተኛታት ከባቢ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ፡ ጓል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ዝኣተዂ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጓል ሰላሳን ሸሞንተን ኮይነ ኣለዂ፣ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም ድማ ጓል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት ክኸውን’የ። እዚ ድማ ስኣን ኣስፊሕኻ ምሕሳብ’ዩ።

ብዝኾነ ኣብ መዓስከር ሳሞስ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምህላዎም፡ ጉዳይካ ኣይሰልጥን’ዩ፡ ካልኣይ ድማ ብቛንቛና ዝትርጉም ሰራሕተኛ ስለ ዘየለ፡ ጉዳይና ከይተርኣየ ዓመታት ኣቑጺሩ፡ እቲ ሓዳር ክገብረሉን ክወልደሉን ዝግባእ ዕድመይ ድማ ብላሽ ሓሊፉ፡ ዝሰርሓሉ ዝነበርኲ ግዜይ ድማ ህልም ኢሉ ዓሩቡ፡ ኲሉ ተደሚሩ ክሳራ ወሊዱ። ነጊደን ሰሪሐን ዝኣትዎ ዝነበርኲ ሎሚ የለን፡ ምስ ሰመረ ዝነበረ ፍቕረይ ከሲረዮ፡ ዕድመይ ዓሪቡ፡ ክወልደሉ ዝግባእ ግዜ ተጸንቂቁ፡ ኲሉ ብኽሳራ ተዛዚሙ። ሕለመይን ባህገይ ተኾሊፉ፡ ብዘይ መጽናዕቲ ዝኣተኽዎ ብዘይ ፍረ ልክዕ ከም ጎብየ ተጎቲቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለዂ፡ እንተ ግዜይ ግና ከም ማንቲለ ነጢሩ ምርቅፍ ኢሉ። ሕርቃናይ ብብኽያት ጥራይ’የ ዝገልጾ ዘለዂ። ብኽያት በቃ—።

ሓፍትዂም ሜሪ’የ፡ ዛንታይ ባዕለይ ጽሒፈዮ ኣለዂ። ኲሉ ግዜ ኣስፊሕካ ምሕሳብ ውጽኢቱ ዓወት’ዩ፣ ብተባህለ ምዃድ ግና እዚ ናተይ’ዩ ትርፉ። ኣርሴማ መሓዛይ’ውን ልክዕ ከማይ ብሃውሪ ተበጊሳ ንዓይ ለኪማ፡ ንሳ’ውን ተለኪማ’ያ። ብዝኾነ ቕድሞ ምዝላልና፡ ናበይ ከምንዓልብ ክንሓስብን ክንምርምርን ይግባእ። ስቅ ኢልካ ንቕድሚት ጥራይ ክኸውን የብሉን። ልክዕ ከምዛ ናተይ ፕረሶስኩም ኣባጎብየ፡ ግዜኹም ማንቲለ ኮይኒ ከይዕዘር።

ተፈጸመ!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com