Saturday , April 20 2024

ፖሊስ፡ ከም ዕምባባታት (ፍዮሪ) ዝሸጡ ተመሲሎም ዘደናግሩ ሰረቕቲ፡ ተጠንቀቑ ይብል

ማሕበረሰብ ሽወደን፡ ካብቶም ካብ ሰብኣውያን ማሕበራት ከም ዝተላእኩ ተመሲሎም፡ ናብ ገዛውቲ እናዞሩ፡ ዕምባባታት ዝሸጡ ሰረቕቲ ክጥንቀቁ ከምዝግባእ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ነዞም ሸያጦ፡ ኣብ ገዝኦም ተቐቢሎም ዕምባባታት ኣብ ዝገዘእሉ እዋን፡ መስርሕ ምዕዳግ ዕምባባታት፡ ብስርቂ ከምተዛዘመ ብዙሓት ሰባት ሓቢሮም ክብል፡ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መስመር ሓበሬትኡ ገሊጹ።

እዞም ሰረቕቲ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንቅስቓስ ነቲ ገበናዊ ፍጻሜኦም ከምዘተግብሩን፡ ህዝቢ ድማ ካብ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ክጥንቀቕ ከምዘለዎ፡ ፖሊስ፡ ኣዘኻኺሩ።

እዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት፡ ብጣዕሚ ናይ ምጭቕጫቕ ባህርያት ዘለዎም ብቐሊሉ ክለቁ ዘይክእሉ ሰባት ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com