Thursday , April 25 2024

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሕ ይጥቀመለን።

ፖሊስ ኡብሳላ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ኡብሳላ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ልዕሊ ከባቢታት Gränby፡ Sävja፡ Gottsunda ን Stenhagen ንኽጥቀመለን ፍቓድ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ። እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነቲ ብፖሊስ ዝካየድ ስራሓት መምላእትኡ ምዃነንን ኣብ ግዜ ባርዕን ዘይሕጋዊ ሃድንን ዝካየደሉ እዋናት ድማ ኣብ ላዕሊ ኮይነን ፍጻሜታት ንምስናድ ዝሕግዛ እየን። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝካየዱ ገበናዊ ንጥፈታት ንምክትታል ውን ይሕግዛ። ፖሊስ ነዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ ብሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት (UAS) ኢሉ ከምዝጽወዖ ይፍለጥ።

መሰረታዊ ምትእትታው ናይ ሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት፡ ገበናት ንኸይፍጸሙ ምክልኻልን ካልኦት ገበናት ቅድሚ ምፍጻሞም ንምግታእን፡ ከም ዝኾነ ኣፈኛ ፖሊስ ኦብሳላ፡ ጆናስ ኢይሮኒን፡ ንተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት ኣብ 2018 ብውሱን ደረጃ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣገልግሎተን ናብ ኣማኢት ግዜ ክብ ኢሉ ይርከብ። ፖሊስ ሽወደን ኣብ 2020 ንኣገልግሎት ናይ ሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት ብዓቢ ደረጃ ክጥቀመሉን ክሙርከስን ከምዝኽእል ይግመት።

ፖሊስ ኦብሳላ፡ ንሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት፡ ኣብ ሓደገኛ ተባሂሉ ዝተመደበ ቦታታትን ከምኡ ውን ንዝያዳ ሓደጋ ክትቃላዓሉ ኣብ ትኽእል ቦታታት ክትጥቀመለን ምዃና ትሕብር። ፖሊስ ንኣጠቓቕማ ሰብ ኣልቦ ኣየራዊ ስርዓት ብዕቱብ ክግምግምን፡ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ድማ ብንጽል ክጽናዕን ክግምገምን ከምዘለዎን ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ምክትታል ከምዘለዉ ክስመዖም ከምዘይብሉ ገለ ሕጋውያን ወገናት የዘኻኽሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com