Thursday , April 25 2024

38 ቢልዮን ዶላር ዘግዘመ ፍትሕ!!

መስራቲ ኩባንያ ኣማዞን ጀፍ ቢዞስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማኪንዚ ብምፍልላይ 38 ቢልዮን ዶላር ክኸፍላ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ፍትሕ ኣብ ዓለም ዝኸበረ ክኸውን’ዩ ይበሃል ኣሎ። እቲ ገንዘብ መስርሕ ፍትሕ ብወግዒ ኣብ ዝውድኣሉ እዋን ዝኽፈል ኰይኑ፡ ማኪንዚ በቲ እትረኽቦ ገንዘብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሃብቲ ኣብ 4ይ ደረጃ ከም እትስራዕ ክገብራ’ዩ።

ጓል 49 ዓመት ማኪንዚ ካብቲ እትምቀሎ ገንዘብ ፍርቁ ንትካላት ግብረ ሰናይ ክተበርክቶ ምዃና ገሊጻ ኣላ። ጀፍብወገኑ በዓልቲ ቤቱ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብምንኣድ ጠዋሪ ንዘይብሎም ህጻናት ንምሕጋዝን ኣብ ምምሕያሽ ትምህርቲ ዝውዕልን ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከበርክት ወሲኑ’ሎ። ጀፍ ዋላ’ውን ድሕር’ቲ ንማኪንዚ ዝኸፍላ 38 ቢልዮን ዶላር፡ በቲ ዝውንኖ 118 ቢልዮን ዶላር ኣብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ኰይኑ ክቕጽል’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝኸበረ ፍትሕ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ኣብ 1999 ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ስነ-ጥበባዊ ኣሌክ ንበዓልቲ ቤቱ ጃክሊን 2.5 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈላ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com