Thursday , April 25 2024

40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ናይ ድቃስን ኣትክሮን ጸገማት ኣለዎም

ኣስታት 40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብሕማቕ ተዘክሮታት፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ኣትክሮ ጸገማትን ከምዝሳቐዩ፡ ኣብ ኮሌጅ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ (ኣሰምባዲ) ኩነት ዝፍጠር ዘይምርግጋእ (Posttraumatisk stressyndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ኣፍጋኒስታትን ብዘይ ስድረኦም ዝመጹ መንእሰይት፡ ጎሊሑ ዝረአ እዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም 1129 ካብ ዓራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ኣብ መንጎ 2014 ክሳብ 2018 ዘሎ ግዜ ዝመጹ መንእሰያት ተሳቲፎም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም። ከምውጽኢቱ ድማ፡ 4 ካብ 10 መንእሰያት፡ ምልክታት ዘይምርግጋእ ከምዘርእዩ ተፈሊጡ። ካብዞም ምልክታት ዘርእዩ መንእሰያት፡ እቶም 56%፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ መንእሰያት ነይሮም።  

እቲ መጽናዕታዊ ውጽኢት፡ እዞም መንእሰያት፡ ሓገዝ ከምዘድልዮም ዝሕብር ምዃኑን ብፍላይ ቤት ትምህርታት ንኹነታት እዞም መንእሰያት ተረዲአን፡ ምክትታልን ሓገዝን ክገብራሎም ይግባእ ክብል ተመራማሪ ኦውቪንድ ሶልቤሪ፡ ሓቢሩ።

ኩነታት ናይዞም መንእሰያት፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሽወደን ዝጸነሕሉ እዋን፡ ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ምርኣይ፡ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ፡ ንኩነታት መነባብሮኦምን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትውን፡ ሓደገኛን ምልክታት ዘመሓላልፍን ብዓቢኡ ድማ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኑ ዘረጋግጽን እዩ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ጸብጻቦም ዛዚሞም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com