Friday , April 26 2024

5 ኣገደሰቲ ምኽርታት ካብ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

1 ናይ ሰውነትኩም ናይ ሕማም ምክልኻል ምፅዋርን ዘጎልብቱ ምግብታት ብልዑ ብፍላይ #ኣሕምልቲ_ፍራምረን ዝተመጣጠነ ሰርዓት ኣመጋግባ ይሃሊኹም።

#ኣልኮላዊ_መሰተ ኣቃርፁ #ሸኮር_ዝበዝሖም_ልሰሉሰ_መሰተታት ኣቓርፁ እዚኦም ናይ ሰውነትኹም ናይ ሕማም ምክልኻልን ምፅዋርን ዓቕሚ ዝቐትሉ እዮም።

#ሸጋራ ኣይትሰሓቡ ፤ እዚ ሳምባኹም ብምጉዳእ ብኮቪድ _19 ዝበለፀ ክትህሰዩ ፣ክትሞቱ ዝገብር እዩ።

#ኣካላዊ_ምንቅሰቓሰ ግበሩ። ዓበይቲ እንተናአሰ ን 30 ደቃይቕ ፣ህፃናት ድማ እንተናኣሰ ን ሓ(1)ሰዓት ኣካላዊ ምንቅሰቓሰ ይግበሩ። ደገ ምውፃእ ዘይትኽእሉ እንተኮይንኹም ናይ ገዛ ሰፖርትታት ከምኒ ዮጋ ዝበሉ ምንቅሰቃሰ እውን ክትገብሩ ትኽእሉ።

5 ናይ #ኣእምሮኹም ወይ(ሓንጎልኩም) ጥዕና ተኸታተሉ። ንዝተጋደደ ጭንቀት ኢድ ከይትህቡ ፣ሙዚቃ ሰምዑ፣ ንእትኣምንዏም ሰባት ኣዛርቡ ፣ጭንቀትኩም ኣካፍሉ ፣ ንሰባት ሓግዙ ፤ መፃሕፍቲ ኣንብቡ ፣ ጭንቀት ዝፈጥሩ ዜናታት ኣወግዱ። ንእሙናት ፍልፍላት ሓበሬታታት ጥራሕ ተወከሱ እንበር ብናይ ራዕዲ ዜናታት ኣይትውሰዱ።

#መዘኻኸሪ እዚኦም ሓፈሻዊ ምኽርታት እዮም። ኣብቲ ናይ ሕጂ ለበዳዊ ሕማም ድማ ምሰቶም ቀንዲ ናይ ኮቪድ_19 መከላኸሊ መንገዲታት ዝኾኑ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ፣ፅሬት ኢድ ማሰክን ጋንትን ምጥቃም ተጣሚሮም ዝኸዱ እዮም።


ትርጉም pencipat Tahu


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com