Thursday , April 25 2024

53% ካብ ሽወደናውያን፡ ንዝምድና ግብረ-ሰዶመኛታት ይቋወም

ንጽምብል ብፕራይድ (Pride) ዝፍለጥ መዓልቲ ግብረ-ሰዶመኛታት ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ጋዜጣ ዳግነዝ ነሂተር፡ ንተቐባልነት ግብረ-ሰዶመኝነትን መስርሕ ጾታዊ ለውጢን ኣብ ሽወደን ዝድህስስ ኣብ ዓምድታቱ ጽሒፉ።

ኩነታት ናይ ግብረ-ሰዶመኛታትን ዝምባለ ናይ ጾታዊ ለውጢ ዘለዎም ሰባትን ምስ ኩነታት ናይቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሳቐዩን ዝቕተሉን ብምንጽጻር፡ ኣብ ሽወደን፡ ዝሓሸ ምዃኑን እቲ ኩነታት ግን ጌና ኣብነታዊ ከምዘይኮነን ጸሓፊት ናይዚ ዓምዲ ዝኾነት ሊዛ ማግኖሰን ገሊጻ።

98% ካብ ሽወደናውያን፡ ንማዕረነት መሰላት ዝኣምን ምዃኑ ናይ 2019 ኤውሮፓዊ መምዘኒ ሓቢሩ ነይሩ። ኣንጻር እዞም ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ ደረቕ ዝኾነ መርገጺ ግን ጌና ኣብ ሽወደን ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

69% ካብ ሽወደናውያን፡ ንሕጋዊ ጾታዊ ለውጢ ዝድግፉ እዮም። 47% ካብ ሽወደናውያን ጥራይ፡ ንዝምድና ግብረ-ሰዶመኛታት ዝድግፍ ብምዃኑ ንሽወደን ኣብ ታሕተዋይ ተርታ ናይተን ክፉት ኣተሓሳስባ ዘለወን ዝበሃላ ኤውሮፓውያን ሃገራት ሰሪዕዋ ይርከብ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com