Tuesday , April 16 2024

ሽወደን ጠገለ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ሽሪምፕ ደረት ክትገብረሉ ከም ዝወሰነት ተገሊጹ።

ሽወደን ጠገለ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ሽሪምፕ ደረት ክትገብረሉ ከም ዝወሰነት፡ እንተኾነ ግና ኢንዱስትሪ ዓሳ በዚ ከም ዘይተሓጐሰ ይግለጽ ኣሎ። ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ኢሳቤላ ሉፊን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ መዓሙቕ ውቅያኖሳት ዝግበር ምግፋፍ ዓሳ ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ብዝሓ ህይወት ብኣሉታ ይጸልዎ ምህላዉ ብምጥቃስ ኣብዚ ጒዳይ ብምልኣት መርመራ ክግበር ሓቲታ’ላ። እዚ ውሳነ ብኣቦመንበር ውድብ ኣፍረይቲ ዓሳ ሽወደን ፒተር ሮኔሎቭ ብርቱዕ ነቐፌታ ከም ዝወረዶ ድማ ተፈሊጡ። ንሱ እዚ ውሳነ ንልምዓት ዓሳ ብምህሳይን ዝያዳ ምእታው ኣቕሑን ብምስዓብ ዝያዳ ዕንወት ህይወት ባሕሪ ዘስዕብ እዩ ኢሉ። እዚ ዝተጠቕሰ መርመራ ብኤጀንሲ ምክንኻን ሓለዋ ባሕርን ማይን ሽወደን እዩ ክሳለጥ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com