Saturday , April 20 2024

ስራሕን ቁጠባን

ልዕሊ 500 ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ተነጺጉ

ቁሩብ ልዕሊ 500 ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኣታተወ ሓድሽ ረቛሒ ደሞዝ ስለዘየማልኡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሕቶኦም ከምዝተነጽገ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዝወጸ ኣሃዛት ይሕብር። መብዛሕትኡ እዚ ምንጻግ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ብማእከላይ ገምጋም 68 ሰባት ኣብ ወርሒ ፍቓድ ስራሕ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ተነጊርዎም ኣሎ፡፡ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ እኹል …

Read More »

ድሕሪ ምህሮ ዩኒቨርሲቲ ተጠላብነት ዘለዎም ስርሓት ተለልዮም

15 ሚያዝያ ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ሽወደን ናይ ጽድያ ትምህርቲ ንምምልካት እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እያ። ኣብ መጻኢ ጠለብ ክህልዎም ትጽቢት ዝግበረሎም ብዙሓት ዓይነታት ስራሓት ዝለዓለ ትምህርቲ ከምዘድልዮም ኤጀንሲ ህዝባዊ ስራሕ ሽወደን ይሕብር። ኣብቲ ትካል ተንታኒት ዕዳጋ ሽቕለት ከርስቲን ኤሪክሰን ንሽወደናዊት ሬድዮ ፒ 4 ስቶክሆልም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ከም ራድዮሎጂ ነርሲንግ፡ ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግን ተርጓሚን ዝኣመሰሉ ናይ ሞያ መንገድታት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ …

Read More »

ሽወደናውያን ድሕሪ ምቕያር ሕጊ ንነዊሕ እዋን ናይ ሕማም ዕረፍቲ ይወስዱ

ኣቐድም ኣቢሉ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክፍሊት ዘለዎ ዕረፍቲ ሕማም ይኽልከሉ ነይሮም እዮም። ኣብ መጋቢት 2021 ኣትሒዙ ዝተመሓየሸ ሕጊ ግን ንነዊሕ እዋን ዝኽፈል ናይ ሕማም ዕረፍቲ ክወሃብ ዝፈቐደ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 12 ኣዋርሕ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝወስዱ ሰባት ብ60% ወሲኹ’ሎ።

Read More »

መጠን ዝቕባበ ናብ 3.3% ይዓቢ

ዝቕባበ ሽወደን ተተሓሒዝዎ ዝነበረ ምንቊልቋል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ደው ምባሉ፥ እዚ ድማ ብክኢላታት ስነቚጠባ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ለውጢ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2.3% ጸኒሑ ኣብ 3.3% ደው ምባሉ ዝፍለጥ እዩ። ገለ ካብቶም በዚ ዝቕባበ ምኽንያት ዋጋኦም ብፍጥነት ዝውስኽ ዝነበረ ሃለኽቲ ቡን፡ ሻሂን ዘይቲ ምግቢን እዮም። ዓገለ ኣብ ጎነጽ ዝተዋፈሩ ኣኽረርቲ ባእታታት ኣብ AI ተገዳስነት የርእዩ …

Read More »

ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ 800 ኪ.ሜ ንሰሜን ዝተጓዓዘት ስድራ

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንፍቓድ ስራሕ ዝድለ መጠን ደሞዝ ክብ ከም ዝብል ድሕሪ ምግባሩ፡ ክሪስነንዱ ማሃልደርን ፖሊ ሳርከርን ምስ ጓል ክልተ ዓመት ጓሎም ካብ ሽወደን ክወጹ ከይግደዱ ብርቱዕ ስግኣት ስለዝሓደሮም፥ ብሽነኽ ሰሜን 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ስከለፍተዮ ስራሕ ብምንዳይ መፍትሒ ምርካቦም ይገልጹ፡፡ በዚ ድማ እዛ ስድራቤት ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ከባቢ እግሪ ኣብ ምትካል ትርከብ ኣላ። “ብዙሕ ዓቐብን …

Read More »

ዝቕባበ ምንቁልቋል ይቕጽል

መጠን ዝቕባበ ሽወደን እናጎድለ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝቕባበ 2.3% ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ግን 3.6% ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዝሓንጸጾ ሸቶ–ማለት 2% ይቐርብ ኣሎ። ኣብ “ስዊድባንክ” ምሁር ስነቚጠባ ማቲያስ ፐርሰን፡ ዝቕባበ የንቈልቊል ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ከም ዝከኣል፡ እዚ ድማ ማእከላይ ባንክ ወለድ ከጉድል ንኽገብር ክቕስቦ ምዃኑ ይገልጽ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ዝቕባበ ኣብ …

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 72,500 ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ምልክታ ተዋሂብዎም ምንባሩ እዚ ድማ ነተን ዓመታት ለበዳ ኣውጺእካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እተራእየ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ባእታታት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ

ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ …

Read More »

ኣብዚ ዓመት ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዜግነት ተነጺጉ

ኣብታ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2023 ቊጽሪ ናይቶም ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዜግነት ንምቕባል ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽገ ሰባት ክብረ ወሰን ዝሓዘ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣመልከትቲ ዜግነት ንጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ስግኣት ዝፈጥሩ እንተኾይኖም ዝምርምር ኣገልግሎት ጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ሳፖ እዩ ። ገበን ናይ ምፍጻም ውጥን ወይ ነዚ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ ብ ሳፖ ዝተገምገመ ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድሉ ዕጹው ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብዞም …

Read More »

ፊንላንድ፥ ባይቶ ኣብ 2024 ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ርኡይ ለውጢ ክግበር ኣጽዲቑ

ባይቶ ፊንላንድ ንሽቕለት ኣልቦነት ዝጸሉ ተኸታታሊ ጽገናታት ኣጽዲቑ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ምሉእ 2024 ክዝርጋሕ እዩ። እዚ ለውጥታት፡ ምጉዳል መሰረታዊ ኣበል ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድጎማ ዕዳጋ ሽቕለትን ሓፈሻዊ ኣበል ኣባይትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ኣገባብ ምሕሳብን ምክፍፋልን መልዕሎ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣትሒዙ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ሓገዝ ሽቕለት ኣልቦነት ክረክብ ቅድሚ ምጅማሩ ዝጸንሓሉ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ መዓልታት ክናዋሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com