Friday , April 26 2024

ውህደት

ፊንላንድ፡ ቱሪዝም ርኡይ ዕቤት የመዝግብ

ዓሚ ካብ መጋቢት 2023 ክሳብ ለካቲት 2024፡ ፊንላንድ ርኡይ ዋሕዚ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ከም እተቐበለት ተገሊጹ። ኣብዘን ኣዋርሕ 4.7 ሚልዮን መገሻታት ናብታ ሃገር ተኻይዱ እዩ። ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ “ቪዚት ፊንላንድን” እዞም በጻሕቲ ኣብ ሓደ መገሻ ብማእከላይ ገምጋም 807 ዩሮ ወጻኢታት ከምዝገበሩን፡ እዚ ድማ ብድምር ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝበጽሕን ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ዑደታት 73% ንምዝንጋዕ ዝዓለሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

Read More »

ስነ-ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ሽወደን ኣብ መደበር ኔቶ ተፈጺሙ

ምስ ጽንብል ምብዓል ባንዴራ ነቶ ማዕረ ማዕረ ሎሚ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ባንዴራ ሽወደን ኣብቲ መደበር ውድብ ተሰቒላ። ኣብ ሶሌፍተዮ ዝርከቡ ኣባላት መበል I21 ረጅመንት ኣጋር ሰራዊት፥ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊያን ወከልቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ብራስለስ ድማ ልኡኽ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰደቓ ውሳነ ሓድሽ መንበር ረኺቡ ከምዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣክሰል ቨርኖፍ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

March 8

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 20240216

  መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ንወለዲ መንእሰያት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ፈተና ክጅመር

Read More »

እስራኤል ካብ ውድድር ዩሮቪዥን ኣይክትእገድን እያ ተባሂሉ

ኣብ መጻረዪ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኖርወይ ዝተዓወተት ኖርወጃዊት ባንድ Gåte፡ እስራኤል’ውን ምስታፋ ቅር ዝብላ እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዓቢ ውድድር “ክትሳተፍ ከም ዝወሰነት” ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጣ። እቶም ሙዚቀኛታት፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ​​ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝቐተለ መጥቃዕቲ “ኢሰብኣዊን ብዝኾነ ክምኽነን ዘክእል እዩ” ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት እታ ባንድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ …

Read More »

“Shame on Dry Land” ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ

ልቢ ኣንጠልጣሊት ፊልም “Shame on Dryland” ብሰንበት ኣብ ዝተጸንበለ ምሸት ጉልባገ “ኢንዱስትሪ ፊልም ሽወደን” ንብሉጽ ተዋሳኣይን ብሉጽ ኣላነትን ሓዊሱ ብ 7 ባእታታት ፊልም ሽልማት ረኺባ። ብኽንድዚ ቊጽሪ ሽልማት ብምርካብ ከኣ ክብረወሰን ሒዛ’ላ። እንተኾነ ግና ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ እተሸለመት “Paradise Is Burning” እያ። ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ንፈለማ እዋን ፊልም አፍረዩ ወይ ዝተዋስኡ ሰባት ንሽልማት ክሕጸዩ ኣይክእሉን እዮም። እንተኾነ ግና ኣፍራዪ ፊልም …

Read More »

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2024

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት መዓስ ይጀመር?

ኣብ ሽወደን ን በዓል ልደት ኣመልኪቱ ዝግበር ምስላም መዓስ ክጅመር ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣብ ሰባት ፍልልይ ምህላዉ ተገሊጹ። ብያታ ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ታሕሳስ ማለት ቅድሚ ልደት ኣርባዕተ ሰናብቲ ኣትሒዙ ዝጅምር ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ኣዝዮም ኣቐዲሞም ገዝኦም ብባህላዊ መብራህቲ ከስልሙን ናይ በዓል ሃዋሁ ክፈጥሩን ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ። ካብዚ ሓሊፎም ገሊኦም ን ወርሒ ሕዳር ከም …

Read More »

ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትወርድ ዝጠልቡ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት ክታምም ኣንቢሮም

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 26,000 ሰባት ብ – ፖለቲካዊ ሰልፊ ፓን-ኣውሮጳዊ ምንቅስቓስ DiEM25–ዝኾነ MERA25 ጀርመን  ኣቢሎም ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትለቅቕ ሕቶ ኣቕሪቦም። ን ሕጋዊ መዋቕር ሕብረት ኤውሮጳ ዕሽሽ ብምባላ እዩ እዚ ሕቶ ቀሪቡላ ዘሎ። ብዘይካዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሲቪል ቓዛ ዝገበሮ ኣምላዊ ደብዳብ ብሞራል ዘሕትት ደገፍ ምሃባ ምኽንያት እዚ ሕቶ ምዃኑ ተፈሊጡ። “ቮን ደር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com