Thursday , April 25 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2021

  • 17 September

    Harmony Media News 17/09/2021

  • 17 September

    ፈረንሳ፤ ንዘይተኸትቡ ሰባት ካብ ስራሕ ደው ኣቢላ

    ኣስታት 3000 ዝኾኑ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዘይተኸትቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፤ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ስራሕ ደው ከምዝብሉ ኮይኖም ኣለዉ ክትብል ፈረንሳ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዘይተኸትቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፤ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉ ዝሕብር መልእኽቲ (ደብዳቤ) ከምዝተሰደደሎም፤ ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፤ ኦሊቨር ቨራን፤ ገሊጹ። ብዙሓት ሰባት፤ ክታበት ንኸይክተቡ፤ ካብ …

  • 17 September

    ካርልሰን፡ ዘይተኸትበ ሰብ ክስዕስዕ ኣይክኽእልን እዩ

    ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ከምቲ ልሙድ፡ ርሕቀቶም ሓልዮም  ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝእከብሉ ቦታታት ክርሕቁ ከምዝግባእን በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕክን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኩሎም መምርሒታት ኮቪድ፡ ካብ ዕለት 29 መስከረም ጀሚሮም፡ ክለዓሉ ምዃኖም ከምዝተሓበረ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ግን ዝተፈልየ መምርሒ ክብየነሎም ምዃኑ፡ ዳይሬክተር በዓል መዚ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ሓቢሩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኩሎም …

  • 17 September

    ክታበት ልዕሊ 12 ዓመት ቆልዑ፡ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ክጅመር እዩ

    ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሮም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉድያት፡ ሌና ሃለንግረን፡ ዳይረኽተር በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ከምኡ ውን ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኤክስትሩም፡ ከም ዝተረኽቡ ይፍለጥ።     …

  • 16 September

    ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ቻይናውያን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

    ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ካብ ህዝቢ ቻይና፡ ምሉእ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡን እዚ ድማ 71% ካብ ምሉእ ህዝቢ ቻይና ምዃኑ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ቻይና፡ 2160 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ መዓላ ከምዝወዓለ ወሃብ ቃል ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር፡ ሚ ፌን፡ ገሊጹ። መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ …

  • 15 September

    Harmony Media News 15/09/2021

  • 15 September

    ጸብጻብ መጠን ብዝሒ ግዳያት ኮቪድ-19

    መጠን ብዝሒ ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሽወደናውያን፡ ኣስታት 1.14 ሚልዮን ከምዝበጽሐን ካብዚኣቶም፡ 14729 ሰባት፡ ብሰንኪ እዚ ሕማም ዘስዓቦ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምተፈልዩ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜን ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ሕጂ፡ 7037966 ሚልዮን ካብ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኽትቡ ኮይኖም እዚ ድማ ኣስታት 82.4% ካብ ህዝቢ ሽወደን …

  • 15 September

    ናይ ክታበት ሓበሬታታት፡ ናብ ኩሉ ኣይበጸሐን

    ብርክት ዝበሉ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑን ኣብ ሆስፒታል ስኮነ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት፡ ብዛዕባ ክታበት እኹል ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይበጸሖም ካብቲ ምምሕዳር ዝተረኽቡ ውሽጣዊ ሰነዳት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እዞም መብዛሕትኦም ዘይተኸትቡ ግዳያት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሕሙማን፡ ብዛዕባ ክታበት ይኹን ብኸመይ ኣገባብ ክታበት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ፡ እኹል ኣፍልጦ ዘይብሎም ምዃኑ ሰነዳት ምምሕዳር ይሕብሩ ክብል ጋዜጣ  Kristianstadsbladet ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ኣብ …

  • 15 September

    ምምሕዳር ሽወደን፡ ንዘይተኸተቡ ሰባት፡ መልእኽቲ ሰዲዱ

    ምምሕዳር ካልማር፡ ተወሰኽቲ ሰባት ጸረ ኮቪድ-19 ንክኽተቡ ብምባል፡ ናብቶም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ቀጥታዊ መልእኽቲ (ደብዳቤ) ከምዝጸሓፈ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 30 ሽሕ ዝኾኑ፡ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቐማጦ እቲ ምምሕዳር፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ከምዝኾኑ መዝገባት ክታበት እቲ ምምሕዳር ዝገልጾ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ምምሕዳር ከተማ ካልማር፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ብኸመይ ኣገባብ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ዝሕብር መልእኽቲ ክሰደሎም ምዃኑ ሓቢሩ ክብል   SVT …

  • 14 September

    ብሪጣንያ፥ ቆልዑ ክኽተቡ እዮም

    ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብሪጣንያ: መንግስታት ኣርባዕተ ሃገራት: ካብ 12-15 ንዝዕድሜኦም ቆልዑ ቀዳማይ ዶዝ ጸረ ኮሮና ንኽወስዱ ለበዋ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።   እዚ እንተተጌሩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ መጠን ለበዳ ከም ዝጎድልን ብምኽንያት ሕማም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ተመሃሮ ከም ዘይህልዉን ን ኮሚተ ክኢላታት ብሪጣንያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ: 3 ሚልዮን ቆልዑ ቀዳማይ ክታበት ፋይዘር ክወስዱ ምዃኖምን እዚ ብምጽናዕ: ካልኣይ ክታበት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com