Thursday , April 18 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2021

  • 26 August

    ኣመሪካ: ንምንጪ ኮቪድ ክትረክብ ኣይከኣለትን። 

    ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ዝመዘዛ ሽማግለ: ንመበቆል ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝወጽኣቶ መግለጺ “ዛጊት ንፈልጦ የብልናን” ክትብል ምድምዳማ መራኸቢ ብዙሃን ዋሺንግተን ሓቢረን። SARS-COV-2 ዝተባህለ ቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ብኸመይ ክሰግር ክኢሉ ዝብል መጽናዕታዊ መሰረት ዘለዋ ሽማግለ: ብፕረዚደንት ባይደን ቆይማ: ምርምር ከተካይድ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብታ እዚ ሕማም ፈለማ እትራእየላ ዊሃን (ቻይና) ነዚ መርመራ ክገብር …

  • 26 August

    ኒውዚላንድ: ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

    ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት: ኒውዚላንድ: ንመጀመርያ ግዜ: ንኻልኣይ መዓልቲ: ብተኸታታሊ ዝዓበየ መጠን ኮቪድ-19 ምምዝጋባ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት: 62 ሓደስቲ ተለከፍቲ ከም እተረኽቡን ጠቕላላ ቊጽሪ ሕሙማት ክሳብ 210 ከም ዝበጽሕ New Zealand Herald ኣመልኪቱ። እዚ ሓድሽ ለበዳ ( ጅር ደልታ) ኣብ ሒደት መዓልታት ጥራይ ናብ ዝለዓለ ቊጽሪ ብምዕባዩ: ንከተማታት ኦክላንድን ዌሊንግተንን የጥቅዕ ኣሎ።፡ ኒውዚላንድ: ጽንዕ ዝበለ ሕግታትን …

  • 26 August

    ስኮነ . . . መጠን መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ

    መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣብ ዝካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መበል 33 ሰሙን ዝተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ልዑል ምንባሩን ክሳብ 900 ሰባት ከምዝተለኽፉን ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኤቫ መላንደር፡ ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ46% ከምወሰኸ ብሰሉስ ዝተረኽቡ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት …

  • 26 August

    ድሕሪ ክታበት ንዘጋጠሙ 280 ናይ ሞት ኣጋጣሚታት፡ ግምገማ ተኻይድሎም

    በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን፡ ድሕሪ ክታበት ኮቪድ፡ ዘጋጠሙ ጎድናዊ ሳዕቤናት ብዝምልከት 60 ሽሕ ጸብጻብ ከምዝበጸሖ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ዕሽር ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ገምጋም ምስ ተገብረሉ፡ ድሕሪ ክታበት፡ 280 ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ከምዝተረኽበ፡ ሬድዮ P4 Gävleborg ኣብ ጸብጻቡ ኣንቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብጌጋ ክትርጎም ከምዘይብሉን፡ ኣብ መንጎ ክታበትን ናይ ሞት ኣጋጣሚታትን ምትሕሓዝ ከምዘሎ ዝሕብር …

  • 26 August

    Harmony Media News 25/08/2021

  • 25 August

    ኣሜሪካ: ንክታበት ፋይዘር: ምሉእ ፍቓድ ትህብ

    ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA)፡ ነቲ ብኩባንያ ፋይዘርን ባዮንቴክን ዝፈረየ ክትባት ጸረ ኮሮና ምሉእ ፍቓድ ከምዝሃበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክታበት ፋይዘር፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብቲ ኲባንያ ዝተረኽበ ክሊኒካዊ ሰነዳት መሰረት ብምግባር፡ እዚ ክታበት፡ ልዕሊ 16 ንዝዕድሜኦም ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ንክወሃብ ምሉእ ፍቓድ ረኺቡ’ሎ። በዚ ድማ፡ ክታበት ፋይዘር፡ …

  • 25 August

    ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሆስፒታል ኣትዮም

    ካብ ዕለት 17 ክሳብ 23 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 1965 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ይቕጽል ይኸይድ ምህላዉን ጸብጻባት ምምሕዳር ስቶክሆሎም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ ማለት 2177፡ ብውሑድ ቁጽሪ ዝተሓተ ከምዝኾነ ብተወሳኺ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ብዝሒ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሎም ዝሓቱ ዘለዉ ሕሙማት፡ …

  • 24 August

    እስራኤል መርመራ ቆልዑ ተካይድ።

    እስራኤል ቅድሚ ምጅማር ትምህርቲ ክሳብ 3 ንዝዕድሜኦ ቆልዑ መርመራ ክትገብር ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ትምህርቲ ቆልዑ ብሕማም ከይጽሎ ብምባል እዩ ክብል AFP ሓቢሩ’ሎ። ደልታ ዝተባለ ጅር ኣብ እስራኤል ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ወሲኹ ብምህላዉ እስራኤል ምዕጻው ትምህርቲ ዝጠቓልል ትርር ዝበለ መምርሒታት ክትግበር ከም እትደሊ ትገልጽ ኣላ። ኣብ እስራኤል ክሳብ 12 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ክታበት ይወሃቦም ኣሎ እዩ። እቶም ክሳብ 1.5 ሚልዮን …

  • 24 August

    ኢራን … ሕማም ኮቪድ: ብዙሕ ህይወት ይቐዝፍ 

    ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19: መዓልታዊ ኣማኢት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብሰንበት ጥራይ: 680 ሰባት ምሟቶምን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣሃዝ ሞት ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ቊጽሮም 102 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ወግዓዊ ጸብጻባት ይገልጹ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብዚ ኣጸቢቑ ክልዕል ከም ዝኽእል ሰብመዚ ጥዕና የመልክቱ። …

  • 24 August

    ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንዋንነት ቻይና፡ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትው

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ዓርሞሾሽ ቻይናዊ ኦንላይን ኩባንያ ተንሰንት (Chinese online giant Tencent) መሻርኽቲ ናይ ወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝኾነ Doktor.se ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኣብ ስቶክሆሎም፡ ብዛዕባ ዋንነት ብዝምልከት፡ መርመራታቱ ክቕጽሎ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። Doktor.se፡ ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ፡ ሰለስተ ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ዘካይዳ ኑቕጣታት ዘካይድ ኮይኑ፡ ንዋንነተን ብዝምልከትን ንናይ ውልቀ ሰባት ሓበሬታታት ኣብ ዘይተደልየ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com