Friday , April 19 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2021

  • 15 July

    ኣሽሓት ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም

    ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣስታት 19 ሽሕ ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር እቲ ብትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሓድሽ ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም ከምዝወዓሉ AFP ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብ ዕለት 15 መስከረም ጀሚሮም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ፈረንሳ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ተኸቲቦም ናብ ስርሖም ክመጹ ከምዝግደዱን እንተዘይኮይኑ ግን ንስራሕ ንኸይመጹን ንዘይሰርሕዎ መዓልታት ድማ ከምዘይክፈሉን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኦሊቨር ቨራን፡ ኣብ …

  • 14 July

    Harmony News 14-07-2021

  • 14 July

    ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ንክኽተቡ ቆጸራ ሒዞም

    ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ሰኑይ መዓልቲ ጥራይ፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ንክኽተቡ ኣብ ዶክቶሊብ ዝተባህለ ናይ ቆጸራ መትሓዚ መርበብ ከምዝተመዝገቡ እቲ መርበብ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንጉዳይ እቶም ዘይተኸትቡ ፈረንሳውያን ኣመልኪቱ፡ ኣደዳ ቀይድታት ክኾኑ እዮም ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ዘጋጠመ ተርእዮ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ፈረንሳ፡ ብዝሒ ናይቶም ብሓድሽ ጅር ደልታ፡ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ዝውስኸሉ …

  • 14 July

    ክታበት ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር እዩ

    ኩሎም ኣብ ዓመተ 2005 ይኹን ቅድሚኡ ዘለዉ ዓመታት ዝተወልዱ ሽወደናውያን፡ ካብ መበል 32 ሰሙን ጀሚሮም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ክኽእሉ ምዃኖም ንጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን፡ ድሕሪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ን 17 ዓመት ዘለዉ ናእሽቱ ትሕተ ዕድመ መንእሰያት ንክኸትባ መደብ ከምዘለወን ብተወሳኺ ገሊጹ። …

  • 13 July

    ኣብ ኲባ ዓብዪ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ

    ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ንመንግስቲ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ርእሰ ከተማ ኲባ ሃቫናን ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሳንቲያጎን ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እቶም ሰልፈኛታት ለበዳ ዝተሓዘሉ ዘሎ ኣገባብ፥ ቀጻሊ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት መግቢን ጸብጻባት ሚድያን ብምጥቃስ ፕረሲደንት ሚግዎአል ዲያዝ ካነል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም ኣለዉ። “ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኲነታት ኢና ዘሎና፥ ለውጢ ስርዓት የድልየና እዩ” ክትብል ሓንቲ ካብዞም ሰልፈኛታት መምህር …

  • 13 July

    ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና፡ ሓምለ 15

    መንግስቲ ሽውደን፡ ምስ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ብምዝማድ፡ ኣንቢርዎም ዝጸንሐ ቀይድታት ኮሮና፡ ንኸፍኩሶም ወሲኑ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ ውሳኔ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዝተጋብአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ወኪሉ፡ ሚኒስተር ቁጠባዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ኢብራሂም ባይላን፡ ዘመሓላለፎ እዩ ነይሩ። እቶም ዝተላዕሉ ቀይድታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም ጸኒዑ ዝነበረ ንኣቀማምጣ ወናብር ናይተን ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ዝጓዓዛ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዝምልከት ቀይድታት፡ ተላዒሉ …

  • 13 July

    ዝጸንዑ መምርሒታት መርመራ ኮቪድ-19፡ ተመሓላሊፎም

    ኣብ ውሱናት ክፋላት ናይ ኤውሮጳ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናዛየደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ገይሹ ጸኒሑ ናብ ሽወደን ዝምለስ ሰብ፡ መርመራ ኮቪድ-19 (PCR) ንኽገብር፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ገይሾም ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂታት፡ ባራትን ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ትረኽበሉ ቦታታትን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ናብ በዓል መዚ ጥዕና …

  • 12 July

    12 / 07 / 2021 Harmony News

  • 12 July

    ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሽማግለ፡ ናይ’ዚ ዓመት፡ ቀዳመይቲ ግዳይ ሞት ኮሮና ኮይና

    ኣብ ክሊ ዕድመ 90ታት እትርከብ ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኣብ ሲድኒ ምሟታ፡ ሰብመዚ ሓቢሮም። ንሳ ስድራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን እያ እዚ ሕማም ሓሊፍዋ። ትማል ሰንበት 77 ሓደስቲ ሕሙማት ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ከም እትረኽቡ ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ 52 ካብዚኣቶም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎምን 15 ድማ ብፍላይ ጽዑቕ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ ኣመልኪቱ። ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ከተማ ሲድኒ፡ ነቲ ደልታ ዝተባለ ጅር ኮሮና ኣብ …

  • 12 July

    ኩባንያታት ተክኖሎጂ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዓዲገን

    ዓርሞሸሽ ኩባንያታት ተኽኖሎጂ ታይዋን ዝኾና Foxconn ን TSMC፡ ብ350 ሚልዮን ዶላር ዝትመን 10 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ካብ ጀርመናዊ ኩባንያ ቢዮንቴክ ሸሚተን፡ ብመልክዕ ሓገዝ፡ ንመንግስቲ ታይዋን ከምዝሃበኦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክልቲአን ኩባንያታት፡ ብማዕረ ኣስተዋጽኦ ዝገበራሉ ሓገዝ ከምዝኾነን ካብቲ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ታይዋን ፈጢርዎ ዘሎ ቅልውላው፡ ቅሩብ ዕረፍት ክኸውን ብምባል ዝተወስደ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ክሳብ እቲ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com