Friday , April 19 2024

ኮረና ቫይረስ

April, 2021

  • 22 April

    Harmony Media Voice News

  • 22 April

    ሃገረ ጀርመን፡ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ንምዕዳግ፡ ዝርርብ ጀሚራ

    ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ፡ ንኹሎም በጽሕታት፡ ክትከትብ መደብ ኣውጺኣትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ምስ ሩስያዊ ኩባንያ ክታበት ስፑትኒክ-ቪ፡ ዝርርብ ከምዝጀምረት ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ፡ ካብ ዕለት 10 ግንቦት ጀሚሩ፡ ንክታበት ስፑትኒክ-ቪ፡ ከጽንዖ ክጅምር ምዃኑ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ሃገረ ጀርመን ግን ኣቐዲማ ክትወዓዓል ከምዝመረጸት ተሓቢሩ። ሃገረ ጀርመን፡ ምስ ሩስያዊ ኩባንያ ክታበት …

  • 22 April

    ሎቬን፡ እዚ ዘለናዩ ግዜ፡ ናይ ምዝናይ እዋን ኣይኮነን ይብል

    መንግስቲ ሽወደን፡ ንመምርሒታትን ቀይድታትን ኮሮና፡ ከፍኩሶም ኣብ ዘይክእል እዋን እዩ ዘሎ። ኣብ ኣሰካፊ ዝኾነ ኩነታት ኢና ዘለና። ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት፡ ቁጽሮም፡ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ እቶም ዝመጹና መዓልታዊ ጸብጻባት ይሕብሩና ኣለዉ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መንግስቲ ሽወደን፡ ድሕሪ ካብ በዓል መዚ ጥዕና ዝረኽቦ ሓበሬታ፡ ንህዝባዊ ምትእኽኻብ ብዝምልከት፡ ዕለት 03 …

  • 22 April

    ሃገረ ኖርወይ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽወደን፡ ከተለቃሓ እያ

    ሃገረ ኖርወይ፡ 200 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽወደን ከተለቅሕ ምዃና ሚኒስተር ጥዕናን  ኖርወይ፡ ቤንት ሀይየ (Bent Høie) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃገረ ኖርወይ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምጥቃም  ንግዚኡ’ ዃ  እንተ ኣቋረጸት፡ እቲ ኣብ ከብሕታት መኽዚኖታታ ዘሎ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ ዘሐጉስ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃገሩ፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ከምእንደገና ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ …

  • 22 April

    ህንዲ፡ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ መልከፍቲ፡ኮቪድ-19፡ ተመዝግብ

    ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 314,835 ሓደስቲ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኽቡዋን እዚ ድማ ኣብ ዓለምና ብሓደ መዓልቲ ዝተረኽበ ዝዓበየ ኣሃዝ ምዃኑን ተገሊጹ። ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰዓበ መጠነ ሞት፡ ብ 2000 ክብ ምባሉ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገቡ መጠነ ሞት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ህንዲ ብለበዳ ኮሮና እተታሕዙ ሰባት ቊጽሮም ናብ 6 ሚልዮን በጺሑ ምህላዉ ተመልኪቱ። ህንዲ ካልኣይ …

  • 22 April

    ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ጀሚራ

    ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ካብ ትማሊ ሮቡዕ ጀሚሩ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለታትን፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ ከምዝጀምረ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ባንክ ኣይዲ ብምርኣይ ብመንገዲ ዲጂታል ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ቆጸራ፡ ብመንገዲ ተሌፎን ከምዝኸውን ገይሩ ኣሎ። ብመንገዲ ቴሌፎን ዝግበር ቆጸራ፡ ካብ ራብዓይ መድረኽ ንኽጅመር መደብ ተታሒዙ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ …

  • 21 April

    Harmony Media News 21 04 2021

  • 21 April

    ሓንቲ መስጊድ፡ ንመምርሒታት ኮሮና ብምጥሓስ፡ መቕጻዕቲ ክብየነላ እዩ

    ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ እትርከብ  መስጊድ፡ ንግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና ብምጥሓሳ፡ ብቤት ጽሕፈት ቦርድ ምምሕዳር፡ ናይ ፈለማ ተቐጻዒት ብምዃን፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነላ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዛ ኣብ ሂሲንየን (Hisingen)፡ ዮቶቦሪ፡ እትርከብ መስጊድ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓርቢ ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ክሳብ 50 ዝኾኑ ሰገድቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ከተአንግድ እንከላ፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ደጋ ኮይኖም …

  • 20 April

    ህንዲ፡ ንኹሎም ልዕሊ 18 ዝዕድሜኦም ዜጋታት ክትከትብ እያ

    ለበዳ እናነሃረ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ኒውደልሂ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ክኽተቡ፡ ህንዲ፡ ጸዊዓ ኣላ። እዚ መስርሕ ክታበት፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ክብል መንግስቲ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ግና ሕጽረት ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ዘለወሉ ኲነታት፡ እዚ ውጥን ብኸመይ ክትግበር ምዃኑ ንብዙሓት ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ …

  • 20 April

    ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሕማም ኮቪድ ናይ ምሟት ሓደገኦም ዝዓበየ ምዃኑ ተሓቢሩ

    ኣብ ክሊ ዕድመ 50 ክሳብ 64 ዓመት ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ናይ ምሟት ተኽእሎኦም፡ ካብተን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብ 4 ዕጽፊ ከምዝዓቢ  ንጸብጻባት ማእከል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምሟት ሓደጋ፡ ኣብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ዓቢ ምዃኑ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com